| ← Isaiah (20/66) → | 
| 1. | በታ ታርታን ናይ ኣሽዶድ ዝመጻላ ዓመት፡ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ምስ ለኣኾ እሞ ንኣሽዶድ ተዋጊኡ ምስ ሓዛ፡ | 
| 2. | በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር፡ ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮ፡ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ። | 
| 3. | እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ኪኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ፡ | 
| 4. | ከምኡ ንጉስ ኣሶር ንእሱራት ግብጺን ንምሩኻት ኢትዮጵያን፡ ናእሽቱን ኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን፡ ስጋኦም ተቐሊዑ ንነውሪ ግብጺ ኺወስዶም እዩ። | 
| 5. | ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኢትዮጵያ፡ እቲ ተስፋኦም፡ ብምኽንያት ግብጺ፡ እቲ ኽብረቶም፡ ኪስምብዱን ኪሐፍሩን እዮም። | 
| 6. | በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብሩ፡ እንሆ፡ ትጽቢትና፡ እቲ ኻብ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈናስ ረዲኤት ደሊና ናብኡ ዝሀደምና እዚ እዩ፡ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና ኪብሉ እዮም። | 
| ← Isaiah (20/66) → |