Isaiah (20/66)  

1. በታ ታርታን ናይ ኣሽዶድ ዝመጻላ ዓመት፡ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ምስ ለኣኾ እሞ ንኣሽዶድ ተዋጊኡ ምስ ሓዛ፡
2. በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር፡ ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮ፡ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ።
3. እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ኪኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ፡
4. ከምኡ ንጉስ ኣሶር ንእሱራት ግብጺን ንምሩኻት ኢትዮጵያን፡ ናእሽቱን ኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን፡ ስጋኦም ተቐሊዑ ንነውሪ ግብጺ ኺወስዶም እዩ።
5. ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኢትዮጵያ፡ እቲ ተስፋኦም፡ ብምኽንያት ግብጺ፡ እቲ ኽብረቶም፡ ኪስምብዱን ኪሐፍሩን እዮም።
6. በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብሩ፡ እንሆ፡ ትጽቢትና፡ እቲ ኻብ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈናስ ረዲኤት ደሊና ናብኡ ዝሀደምና እዚ እዩ፡ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና ኪብሉ እዮም።

  Isaiah (20/66)