Isaiah (2/66)  

1. ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ቓል እዚ እዩ፡
2. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ኪብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።
3. ሕጊ ኻብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ብመገድታቱ ክንመላለስ ኢና፡ ድማ ኪብሉ እዮም።
4. ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።
5. ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ንዑ ዀታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።
6. ንቤት ያእቆብ፡ ህዝብኻ፡ ብኣመል ሰብ ምብራቕ ስለ ዝመልኡ፡ ከም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ስለ ዝጠንቈሉ፡ ምስ ደቂ ጓናውን ኣገና ስለ ዝጠቕዑ፡ ሐደግካዮም።
7. ሃገሮምሲ ብሩርን ወርቅን ምሉእ እዩ፡ ዕቋሮም ድማ ታእላው የብሉን። ሃገሮም ከኣ ኣፍራስ ሞሉእ እዩ፡ ዓረብያታቶምውን ታእላው የብሉን።
8. ሃገሮም ድማ ጣኦታት ምሉእ እዩ፡ንግብሪ ኣእዳዎም፡ ነቲ ኣጻብዖም ዝገበራኦ ይሰግድሉ።
9. እቲ ጥቑዕ ሰብ ከኣ ለጥቕ ይብል፡ እቲ ምርኡይ ሰብ ድማ ይዋረድ ኣሎ፡ ስለዚ ይቕረ ኣይትብለሎምን ኢኻ።
10. ኣብ በዓቲ እቶ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግብማኡን ኣግሊስካ ኣብ ሓመድ ተሐባእ።
11. እተን ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ለጠቕ ኪብላ እየን። ትዕቢት ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።
12. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዂሉ ዕቡይን ኲሩዕን ልዕል ንዝበለ ዂሉን ኬዋርዶ፡ መዓልቲ ቘሪጹ ኣሎ እሞ፡
13. ኣብ ኲሉ ዓብይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ኣእዋም ባሳንን፡
14. ኣብ ኲሉ ነዊሕ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ልዕል ዝበለ ዀረቢትን፡
15. ኣብ ብዘሎ ነዊሕ ግምብን ኣብ ብዘሎ ጽኑዕ ቀጽርን፡
16. ኣብ ኲለን መራኽብ ተርሲስን ኣብቲ ንምርኣይ ዜተምኒ ዘበለን መዓልቲ ቘሪጹ ኣሎ እሞ፡
17. ትዕቢት ሰብ ኪዋረድ፡ ኲርዓት ሰባት ድማ ኪሐስር እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።
18. ጣኦታትውን ብጥራስ ኪጠፍኡ እዮም።
19. ንምድሪ ኼሸብራ ምስ ዚትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄርን ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም፡ ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ጐዳጒድ ምድርን ኪኣትው እዮም።
20. በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኪሰግዱሎም ዝገበርዎም ጣኦታት ብሩሮምን ጣኦታት ወርቆምንሲ ንፍሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ኪድርብይዎም እዮም።
21. ንምድሪ ኼሸብራ ምስ ዚትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኪኣትው እዮም።
22. በቲ ትንፋስ ኣብ ኣፍንጫኡ ዘለዎ ሰብ ኣይትወከሉ፡ ብምንታይከ ኣዩ እተቋጽርዎ

  Isaiah (2/66)