Isaiah (18/66)  

1. ኣየ፡ ኣታ ኣብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ ዘሎኻ፡ ሃገር እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ።
2. ኣታ በተን ኣብ ልዕሊ ማያት ዚሰፋ መርከብ ሰልሰላ ጌርካ፡ ብባሕሪ ልኡኻት እትልእኽ ሃገር፡ ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ናብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ዚኽፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።
3. ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፡ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘሎኹም ኲላትኩምውን፡ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኣኽራን ልዕል ምስ በለ፡ ተመልከቱ፡ መለኸት ምስ ዚንፋሕ፡ ጽን በሉ።
4. እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ከም ዳህሪ እቲ ዜንጸባርቕ ጸሓይ፡ ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ረስኒ ቐውዒ፡ ሀዲኤ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኰይነ ኽጥምት እየ።
5. ቅድሚ ቐውዒ፡ ጊዜ ምዕምባብ ምስ ሐለፈ፡ ዕምባባ ኸኣ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ ከደ፡ ንሓረግ ብኻራ ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሩ ኪቘርጾ፡ ነቲ ጫሌዳ ሱር ድማ ኬርሕቖን ኪቘርጾን እዩ።
6. ኲላቶም ሐቢሮም ኣደዳ ኣሞራን ኣኽራንን ኣራዊት መሮርን ኪዀኑ እዮም፡ ኣሞራታት ከኣ ኣብኦም ኪሐግዩ፡ ኲላቶም ኣራዊት መሮር ድማ ኣብኦም ኪኸርሙ እዮም።
7. በቲ ጊዜ እቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ካብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ካብቲ ዚኸፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ፡ ናብታ ስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን ገጽ በረኸት ኪቕረብ እዩ።

  Isaiah (18/66)