| ← Isaiah (16/66) → | 
| 1. | ገናሽል ናብቲ ገዛእ ሃገር ካብ ሴላ ብበረኻ ኣቢልኩም ናብ ከረን ጓል ጽዮን ስደዱ። | 
| 2. | ከም ዚሀድማ ኣዕዋፍ፡ ከም ካብ ቤተን እተሰጓ ወለሊድ ዑፍ፡ ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪ ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን። | 
| 3. | ምኽሪ ምኽሪ፡ ፍርዲ ፍርዲ፡ ቀትሪ ኸሎ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ፡ ንስጉጓት ሕብኢ፡ ንህዱማት ኣይትግለጺ። | 
| 4. | እቲ ጠዋዪ ጠፊኡ፡ ምዝማት ከኣ ተወዲኡ፡ ጨቈንቲ ሃገርውን ህልም ኢሎም እዮም እሞ፡ ዎ ሞኣብ፡ ንሰጉጓተይ ምሳኺ ኣስፍርዮም፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዘማቲ ኸውሊ ዂንዮ። | 
| 5. | ዝፋን ብምሕረት ኪትከል፡ ኣብኡውን ዚፈርድን ቅንዕና ዚደልን ጽድቂ ንምግባር ዚፈጥንን ብሓቂ ኣብ ድንኳን ዳዊት ኪቕመጥ እዩ። | 
| 6. | ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ፡ እዛ ኣዝያ ዕብይቲ፡ ብናይ ኲርዓታ፡ ምብርጣጣ፡ ቊጥዓኣ፡ ከንቱ ዝዀነ ጃህርኣ ሰማዕና። | 
| 7. | ስለዚ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ክትብለላ እያ፡ ኲላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም፡ ብዛዕባ ናይ ቂርሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ ኣስቈርቊርኩም ክትበኽዩ ኢኹም። | 
| 8. | ግርሁ ሄስቦንን ኣትክልቲ ወይኒ ሲብማን ጸምልዩ ኣሎ። እተን ክቡራት ተኽልታታ ጨናፍረን ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳዕ ያዕዜር በጺሑ፡ ኣብ በረኻ ወፊሩ፡ ባሕሪ ተሳጊሩ ዝነበረስ፡ እቶም ጐይተት ኣህዛብ ሰበርወን። | 
| 9. | ስለዚ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ብኽያት ያዕዜር እበኽየሉ ኣሎኹ፡ ኣብ ፍረ ሓጋይኪ፡ ኣብ ቀውዕኺ ናይ ውግእ ጭድርታ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዎ ሄስቦን፡ ንኣኺውን እልዓለ፡ ብንብዓተይ ኤተርድሰኪ ኣሎኹ። | 
| 10. | ሓጐስን ተድላን ካብቲ ፈራዪ ግርሁ ተወሲዱ፡ ኣብ ኣታኽልትታት ወይኒ ኸኣ ደርፍን እልልታን የልቦን፡ ኣብ መሓምተሊ ሓደ እኳ ወይኒ ዚረግጽ ረጋጺ የልቦን። ንጭድርታ ሓጐስሲ መወዳእታ ገይረሉ እየ። | 
| 11. | ስለዚ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፡ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ ከም መሰንቆ ይቚዝም ኣሎ። | 
| 12. | ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ሞኣብ ኣብቲ በሪኽ መጺኡ እንተ ጸዐረ፡ ኣብ መቕደሱ ኺጽሊ እንተ ኣተወ፡ ገለ እኳ ዜስልጦ የብሉን። | 
| 13. | እግዚኣብሄር ብናይ ሞኣብ ቀደም እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። | 
| 14. | ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ከም ቊጽሪ ዓመት ዓስቢ ዓሳብ፡ ብሰለስተ ዓመት ክብሪ ሞኣብ ምስናይ ብዝሒ ህዝቡ ኺዋረድ እዩ፡ እቲ ዝተረፈውን ኣዝዩ ሒደትን ጥቑዕን ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ። | 
| ← Isaiah (16/66) → |