Isaiah (16/66)  

1. ገናሽል ናብቲ ገዛእ ሃገር ካብ ሴላ ብበረኻ ኣቢልኩም ናብ ከረን ጓል ጽዮን ስደዱ።
2. ከም ዚሀድማ ኣዕዋፍ፡ ከም ካብ ቤተን እተሰጓ ወለሊድ ዑፍ፡ ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪ ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን።
3. ምኽሪ ምኽሪ፡ ፍርዲ ፍርዲ፡ ቀትሪ ኸሎ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ፡ ንስጉጓት ሕብኢ፡ ንህዱማት ኣይትግለጺ።
4. እቲ ጠዋዪ ጠፊኡ፡ ምዝማት ከኣ ተወዲኡ፡ ጨቈንቲ ሃገርውን ህልም ኢሎም እዮም እሞ፡ ዎ ሞኣብ፡ ንሰጉጓተይ ምሳኺ ኣስፍርዮም፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዘማቲ ኸውሊ ዂንዮ።
5. ዝፋን ብምሕረት ኪትከል፡ ኣብኡውን ዚፈርድን ቅንዕና ዚደልን ጽድቂ ንምግባር ዚፈጥንን ብሓቂ ኣብ ድንኳን ዳዊት ኪቕመጥ እዩ።
6. ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ፡ እዛ ኣዝያ ዕብይቲ፡ ብናይ ኲርዓታ፡ ምብርጣጣ፡ ቊጥዓኣ፡ ከንቱ ዝዀነ ጃህርኣ ሰማዕና።
7. ስለዚ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ክትብለላ እያ፡ ኲላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም፡ ብዛዕባ ናይ ቂርሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ ኣስቈርቊርኩም ክትበኽዩ ኢኹም።
8. ግርሁ ሄስቦንን ኣትክልቲ ወይኒ ሲብማን ጸምልዩ ኣሎ። እተን ክቡራት ተኽልታታ ጨናፍረን ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳዕ ያዕዜር በጺሑ፡ ኣብ በረኻ ወፊሩ፡ ባሕሪ ተሳጊሩ ዝነበረስ፡ እቶም ጐይተት ኣህዛብ ሰበርወን።
9. ስለዚ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ብኽያት ያዕዜር እበኽየሉ ኣሎኹ፡ ኣብ ፍረ ሓጋይኪ፡ ኣብ ቀውዕኺ ናይ ውግእ ጭድርታ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዎ ሄስቦን፡ ንኣኺውን እልዓለ፡ ብንብዓተይ ኤተርድሰኪ ኣሎኹ።
10. ሓጐስን ተድላን ካብቲ ፈራዪ ግርሁ ተወሲዱ፡ ኣብ ኣታኽልትታት ወይኒ ኸኣ ደርፍን እልልታን የልቦን፡ ኣብ መሓምተሊ ሓደ እኳ ወይኒ ዚረግጽ ረጋጺ የልቦን። ንጭድርታ ሓጐስሲ መወዳእታ ገይረሉ እየ።
11. ስለዚ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፡ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ ከም መሰንቆ ይቚዝም ኣሎ።
12. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ሞኣብ ኣብቲ በሪኽ መጺኡ እንተ ጸዐረ፡ ኣብ መቕደሱ ኺጽሊ እንተ ኣተወ፡ ገለ እኳ ዜስልጦ የብሉን።
13. እግዚኣብሄር ብናይ ሞኣብ ቀደም እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ።
14. ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ከም ቊጽሪ ዓመት ዓስቢ ዓሳብ፡ ብሰለስተ ዓመት ክብሪ ሞኣብ ምስናይ ብዝሒ ህዝቡ ኺዋረድ እዩ፡ እቲ ዝተረፈውን ኣዝዩ ሒደትን ጥቑዕን ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ።

  Isaiah (16/66)