| ← Isaiah (15/66) → |
| 1. | ጾር ብዛዕባ ሞኣብ። ኣየ፡ ኣር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ፡ ኣየ፡ ቂር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ። |
| 2. | ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን ኪበኽያ ናብ በረኽቲ ይወጻ ኣለዋ፡ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን ኣብ ልዕሊ ሜድባን ኰይና ዋይዋይ ትብል ኣላ፡ ኲሉ ርእሶም ነዃዕ፡ ኲሉ ጭሕሚ ኸኣ ቊሩጽ እዩ። |
| 3. | ኣብ ኣደባባያ ኽዳን ሓዘን ይዕጠቑ፡ ኣብ ኣናሕሳን ኣብ ዕዳጋኣን ዋይዋይ እናበሉ ንብዓት የውሕዙ። |
| 4. | ሄስቦንን ኤልዓለን የእውያ፡ ድምጸን ክሳዕ ያሓጽ ይስማዕ፡ ስለዚውን ናይ ማኣብ ተዋጋእቲ የእውዩ፡ ነፍሱ ኣብ ውሽጡ ተንቀጥቅጥ ኣላ። |
| 5. | ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፡ እቶም ህዱማታ ኽሳዕ ጾኣር፡ ናብ ኤግላትሸሊሽያ ይሀድሙ፡ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ፡ ኣብቲ ናይ ሆሮናይም ዚወስድ መገዲውን ኣውያት ጥፍኣት ይተኽሉ ኣለው። |
| 6. | ማያት ኒምሪም ነጺፉ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ነቐጸ፡ ለቕሚ ቐምሰለ፡ ለምዒ የልቦን። |
| 7. | ስለዚ ነቲ ዘትረፍዎን ነቲ ዝዐቘርዎን ብርባ ዕቦል ኬሳግርዎ እዮም። |
| 8. | ንዶባት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፡ ብኽያታ ኽሳዕ ኤግላይም፡ ብኽያታውን ክሳዕ ብኤርኤሊም በጽሔ። |
| 9. | ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፡ ኣብ ዲሞን ዝገደደ ኽውስኽ እየ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘምለጡ ሰብ ሞኣብን ኣብ ልዕሊ ተረፍ እቲ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ። |
| ← Isaiah (15/66) → |