Isaiah (13/66)  

1. ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ በቢሎን ዝረኣዮ ጾር።
2. ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣድህዩሎም፡ ብደገ መሳፍንቲ ኺኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ።
3. ነቶም እተቐደሱለይ ኣዚዘዮም፡ ንጀጋኖይ፡ ነቶም ብኽብረይ እልል ዚብሉ፡ ንምፍጻም ቊጥዓይ ጸዊዔዮም ኣሎኹ።
4. ድምጺ ወኻዕታ ኸም ናይ ዓብዪ ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ። ድምጺ እቶም እኩባት መንግስትታት ኣህዛብ ንሰራዊት ኪስለፉ ይእዝዞም ኣሎ።
5. እግዚኣብሄርን ኣጽዋር ኲራኡን፡ ንዂላ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኡስ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ወሰን ሰማይ ይመጹ።
6. መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ።
7. ስለዚ ኢድ ዘበለ ዘርጋሕጋሕ ኪብል፡ ኲሉ ልቢ ሰብ ኪመክኽ እዩ።
8. ኪስምብዱ፡ ቃንዛን ሓዘንን ኪሕዞም እዩ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ኬቕለልው፡ ተገሪሞም ነንሓድሕዶም ኪጣማመቱ እዮም፡ ገጾም ከም ገጽ ሃልሃልታ እዩ።
9. እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም፡ ብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ ኣላ።
10. ከዋኽብትን ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት እያ፡ ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ።
11. ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡ ንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ፡ ንድርቅና ትዕቢተኛታት ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ ንዂርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።
12. ንሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ኤር ኻብቲ ወርቂ ኦፊር ዝከበረ ኽገብሮ እየ።
13. ስለዚ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፡ ምድሪ ኸኣ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብመዓልቲ ርሱን ነድሪ ኻብ ስፍራኣ ኽትናወጽ እያ።
14. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከም እተሀድነት እራብን፡ ኣካቢ ኸም ዜብሉ መጓሰን ኰይኖም፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሄህዝቡ ኺምለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃሃገሩ ኺሀድም እይ።
15. እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡ እተታሕዘ ዂሉ ኸኣ ብሴፍ ኪወድቕ እዩ።
16. ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን።
17. እንሆ፡ ነቶም ግዲ ብሩር ዜብሎም፡ ንወርቂ ኸኣ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፡ ኣብ ልዕሊኦም ከተንስኦም እየ።
18. መንትጎም ነጒባዝ ኬውድቖም እዩ፡ ንፍረ ማሕጸን ኣይኪምሕሩን እዮም፡ ኣዕንቶም ከኣ ንቘልዑ ኣይኪድንግጻሎምን እየን።
19. ባቢሎን፡ ጌጽ መንግስትታት፡ ናይ ከለዳውያን ዕቡይ ስልማት፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዘፍረሰን ክትከውን እያ።
20. ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳን ኣይኪተክልን እዩ፡ ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከስፍሩላን እዮም።
21. ግናኸ ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኺሰፍሩ እዮም፡ ኣባይታ ጒንጓታት ኪመልእ እዩ፡ ሰገን ኣብኣ ኺነብራ እየን፡ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኺሰራሰሩ እዮም።
22. ኣኽላባት በረኻ ኣብ ኣደራሻታ፡ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ጽቡቕ ግምብታታ ኺንቅው እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፡ መዓልትታታውን ኣይኪድንጒያን እየን።

  Isaiah (13/66)