| ← Isaiah (12/66) → |
| 1. | በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክትብል ኢኻ፡ ጐይታየ፡ ተቘጢዕካኒ ነበርካ፡ ግናኸ ቊጥዓኻ ተመሊሱስ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። |
| 2. | እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ። |
| 3. | ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም። |
| 4. | በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፡ ንስሙ ጸውዑ፡ ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ፡ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ። |
| 5. | ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ እዚ ኣብ ኲላ ምድሩ ይፈለጥ። |
| 6. | ኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሐጐስን እልል በልን። |
| ← Isaiah (12/66) → |