Isaiah (11/66)  

1. ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።
2. ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ።
3. ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ።
4. ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኑ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን፡ ብበትሪ ኣፉ ንምድሪ ኺወቕዓ፡ ብመንፈስ ከናፍሩ ድማ ንረሲኣን ኪቐትሎም እዩ።
5. ጽድቂ ኸኣ ቅናት ሕቚኡ፡ እምንነትውን ማዕጥቖ ምሕኲልቱ ኪኸውን እዩ።
6. ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።
7. ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ።
8. ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ።
9. ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።
10. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣህዛብ ነቲ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሱር እሰይ ኪደልዩ እዮም፡ ማሕደሪኡ ኸኣ ክቡር ኪኸውን እዩ።
11. በታ መዓልቲ እቲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ ኣሶርን ካብ ግብጽን ካብ ጳጥሮስን ካብ ኢትዮጵያን ካብ ኤላምን ካብ ሲንኣርን ካብ ሃማትን ካብ ደሴታት ባሕርን ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮስ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ።
12. ነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኺተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ኪእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺኣኻኽቦም እዩ።
13. ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፡ ጸላእቲ ይሁዳ ኸኣ ኪጸንቱ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉን፡ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይከጨንቖን እዩ።
14. ኣብ መንኲብ ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ኪነፍሩ፡ ብሓደ ዀይኖም ድማ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤዶምን ሞኣብን ኢዶም ኬውድቑ እዮም፡ ደቂ ዓሞን ከኣ ኪእዘዝዎም እዮም።
15. እግዚኣብሄር ድማ ንልሳን ባሕሪ ግብጺ ኼንቅጾ እዩ፡ ብብርቱዕ ንፋሱ ኸኣ ንኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ርባ ኼዋጣውጦ፡ ሾብዓተ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ነቲ ርባ ኺወቕዖ እዩ፡ ሳእኒ ኣእቲኻ ኸም ዚስገርውን ኪገብሮ እዩ።
16. ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ ከምኡውን ነቲ ኻብ ኣሶር ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቢ ጽርግያ ኪኸውን እዩ።

  Isaiah (11/66)