Hosea (9/14)  

1. ዎ እስራኤል፡ ንኣምላኽካ ሓደግካ መንዚርካ፡ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ሰርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻ እሞ፡ ከም ህዝብታት ክሳዕ እልልታ ኣይትተሓጎስ።
2. ዓውድን መጽመቑ ወይንን ኣይቅልቦምን፡ ኮልዒ ወይኒ ኸአ ይጠልሞም።
3. ንሳቶም ኣብ ሃገር እግዚኣብሄር ኣይነብሩን፡ ኤፍሬምሲ ናብ ግብጺ ይበልዑ።
4. ንእግዚኣብሄር ወይኒ ኣየፍሱሱን፡ መስዋእቲ ሕሩዶም ከአ ባህ ኣየብሎን፡ ንኣታቶም ከም እንጌራ ሓዘን ይኾኖም፡ ካብኡ ዚበልዕ ዘበሉ ኹሉውን ይረክስ። እንጌራኦም ንርእሶም እዩ እሞ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይአቱን።
5. እንሆ፡ ንሳቶም ብሰሪ ምዕናው ከዱ፡ ግብጺ ትእከቦም፡ ሞፍ ድማ ትቐብሮም፡ ነቲ ኽቡር ብሩሮም ተኾርባ ይወርሶ፡ ኣብ ድንኳናቶም ከአ እሾኽ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ዓብዩ በዓልን ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም።
6. እንሆ፡ ንሳቶም ብሰሪ ምዕናው ከዱ፡ ግብጺ ትእከቦም፡ ሞፍ ድማ ትቐብሮም፡ ነቲ ኽቡር ብሩሮም ተኾርባ ይወርሶ፡ ኣብ ድንኳናቶም ከአ እሾኽ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ዓብዩ በዓልን ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም።
7. መዓልትታት ቅጽዓት መጻ፡ መዓልትታት ፍዳ መጻ፡ እስራኤል ይፈልጦ እዩ፡ ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዕቤት ጽልእን ነብዩ ዐሸወ፡ እቲ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ዐበደ።
8. ሓላዊ ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ነበረ፡ ነቲ ነብዩ ኣብ ኩሉ መገዱ መፈንጠራ ኣዕዋፍ ይረኽቦ፡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ አሎ።
9. ከምቲ ብመዓልትታት ጊብዓ ዝኾነ፡ ኣዕሚቖም ተበላሸው። ንሱ ኣበሶኦም ይዝክር፡ ሓጢኣቶም ከአ ይቐጽዕ።
10. ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ከምቲ ኣብ እትብኮር ኦም በለስ ዘሎ ቐዳማይ ፍረ ርኤኽዎም። ንሳቶም ናብ በዓልጴኦር አተው፡ ንነውሪ ኸአ ተፈልዩ፡ ከምቲ ዝፈተውዎ ድማ ፍንፋናት ኮኑ።
11. ክብረት ኤፍሬም ከም ዑፍ ኪነፍር እዩ፡ ድሕርዚ ሕርስን ድቅን ጥንስን የብሎምን።
12. ደቆም እንተ ኣዕበዩ ድማ፡ ሐደ ሰብ እኳ ኸይተርፎም ውሉድ ዜብሎም ክገብሮም እየ፡ እወ፡ኣነ ኻባታቶም ምዝ ዝርሕቆም ወይለኦም።
13. ኤፍሬም ከምታ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እተተኽለት ጢሮስ ኮይኑ ርኤኽዎ፡ ግናኸ ኤፍሬምሲ ንደቁ ናብ ቀታሊ የውጽኦም።
14. ዎ እግዚኣብሄር፡ ሀቦም። እንተይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸንን ንጹፍ ጡቡን ሀቦም።
15. ኩሉ ኽፍኣቶም ኣብ ጊልጋል እዩ፡ ኣነ ኣብኡ ጸላእክዎም፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብሮም ከኣ ካብ ቤተይ እሰጎም፡ ድሕርዚ ኣየፍቅሮምን እየ፡ ኩሎም መሳፍንቶም ዓለወኛታት እዮም።
16. ኤፍሬም ተወቕዔ። ሱሮም ነቐጸት፡ ፍረ ኣይፈርዩን፡ እንተ ወለዱ እኳ፡ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።
17. ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ኣምላኸይ ይድርብዮም፡ ንሳቶምውን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኮብለልቲ ይኾኑ።

  Hosea (9/14)