| ← Hosea (8/14) → | 
| 1. | መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር፡ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፡ ሕገይ ከአ ግሂሶም እዮም እሞ፡ ከም ንስሪ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ኪወርድ እዩ። | 
| 2. | ንሳቶም፡ ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና፡ እናበሉ ናባይ ኬእውዩ እዮም። | 
| 3. | እስራኤል ንሰናይ ደርበዩ፡ ጸላኢ ኸሰጉ እዩ። | 
| 4. | ነገስታት ኣንገሱ፡ ግናኸ ብኣይ ኣይኮነን፡ መሳፍንቲ ገበሩ፡ ኣነውን ኣይፈለጥኩን። ምእንቲ ኺጠፍኡስ ብብሩሮምን ብወርቆምን ንርእሶም ጣኦታት ገበሩ። | 
| 5. | ዎ ሰማርያ፡ ብተይካ ደርበየካ፡ ቁጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነደደ፡ ክሳዕ መአዝ እዮም ኪጸርዩ ዘይከአሎም፡ | 
| 6. | እዚ ኸአ ካብ እስራኤል እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ ሓደ ዓያዩ ዝገበሮ እዩ። ብተይ ሰማርያ ኺሰባብር እዩ። | 
| 7. | ንፋስ ይዘርኡ አለው፡ ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም። ቃንጫ የብሉን፡ እቲ ብቋልያ ሓርጭ ኣየውጽእን። እተን ኣውጽኤ እኳ፡ ጓኖት ምወሐጥዎ። | 
| 8. | እስራኤል ተዋሕጠ። ሕጂ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ኾነ። | 
| 9. | ከምቲ ንበይኑ ዚነብር ኣድጊ ኸደን ናብ ኣሶር ወጺኦም አለው። ኤፍሬም ብህያብ ፈተውቲ ገበረ። | 
| 10. | ንህዝብታት እኳ ህያብ እንተ ሀቡ፡ ኣነ ሎሚ ኽእክቦም እየ። ብጾር እቲ ንጉስ መሳፍንቲ ኸአ ምውሓድ ኪጅምሩ እዮም። | 
| 11. | ኤፍሬም ሓጢኣት ንምግባር መሰውኢታት ኣብዚሑ እዩ እሞ፡ እቲ መሰውኢታት ድማ ንሓጢኣት ኮኖ። | 
| 12. | ኣእላፋት ሕገይ እኳ እንተ ጸሓፍኩምሎም፡ ጓና ኾይኑ እዩ ዚቖጸር። | 
| 13. | መስዋእተይ የቕርቡ፡ ስጋ ይስውኡ እሞ ይበልዐዎ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣይቅበሎምን። ሕጂ ኣበሶኦም ኪዝክሮ ንሓጢኣቶም ከአ ኪቐጽዖ እዩ። ንሳቶም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም። | 
| 14. | እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዖ፡ ኣዳራሻት ሀነጸ፡ ይሁዳ ኸአ እተዐርደ ኸተማታት ኣብዝሔ። ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንሱውን ንግብምታቱ ሞኽ ኬብሎ እዩ። | 
| ← Hosea (8/14) → |