Hosea (7/14)  

1. ሓሶት የዘውትሩ፡ ሰራቒ ይአቱ፡ ጭፍራ ኸተርቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኸትሩ አለው እሞ፡ ንእስራኤል ከሕወዮም ምስ ደሌኹ፡ ሽዑ ኣበሳ ኤፍሬምን ሕሰም ሰማርያን ተገልጸ።
2. ኣነ ንኹሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ፡ ብልቦም ኣይብሉን። ሕጂ ግብሮም ይኸቦም፡ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከአ አሎ።
3. ንንጉሰ ብእከዮም ንመሳፍንቲ ድማ ብሓሶቶምን የሐጎስዎም አለው።
4. ኩላቶም ዘመውቲ እዮም። ከምቲ ሰንካቲ ዘርሰኖ እቶን እዮም። ንሱ፡ እቲ ብሑቑ ካብቲ ዘቔምጥዖ ክሳዕ ዚበኩዕ፡ ምቑስቋ ይሐድግ።
5. ብመዓልቲ ንጉስና እቶም መሳፍንቲ ብረስኒ ወይኒ ንርእሶም ኣሕመሙ፡ ምስቶም መላገጽቲ ኢዱ ዘርጊሔ።
6. ብተንከሎም ንልቦም ከም እቶን ኣዳለውዎ፡ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፡ ንግሆ ኸአ እቲ እቶን ሃልሃል ከም ዚብል ሓዊ ይነድድ።
7. ኩላቶም ከም እቶን ይረስኑ ንፈራዶኦም ከአ ይውሕጥዎም። ኩሎም ነገስታቶም ወደቑ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ዚጽውዓኒ የልቦን።
8. ኤፍሬም ምስ ህዝብታት ይጸናበር አሎ፡ ኤፍሬም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።
9. ሓይሉ ኣጋይስ ይበልዕዎ፡ ንሱውን ኣይፈልጦን። ሽበት ተነዝሖ፡ ንሱውን ኣይፈልጦን።
10. ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር፡ ግናኸ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይምለሱን፡ በዚ ኹሉውን ኣይደልይዎን።
11. ኤፍሬም ከም ልቢ ዜብላን ዓሻን ርግቢ ኽነ፡ ንሳቶም ንግብጺ ይጽውዑ፡ ናብ ኣሶር ይኸዱ።
12. ኪኸዱ ኸለው መርበበይ ክዝርግሓሎም፡ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከውርዶም፡ ከምቲ ኣብ ማሕበሮም እተነግረ ክቐጽዖም እየ።
13. ካባይ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። በዲሎም እዮም እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን። ኣነስ መድሐንክዎም፡ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛረቡለይ።
14. ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ አለው እምበር። ብልቦም ናባይ ኣየድህዩን። ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፡ ንኣይ እንከ ዐለውኒ።
15. ኣነ ገሰጽክዎ፡ ቅልጽሞም ከአ አበርታዕኩ፡ ንሳቶም ግና እከይ ይሐስቡለይ አለው።
16. ንሳቶም ይምለሱ አለው፡ ናብቲ ልዑል ግና ኣይኮነን። ከም መታለሊ ቐስቲ ኾነ። መሳፍንቶም ብሰሪ ኹራ ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። እዚ ኸአ ኣብ ሃገር ግብጺ መላገጺ ኪኾኖም እዩ።

  Hosea (7/14)