← Hosea (7/14) → |
1. | ሓሶት የዘውትሩ፡ ሰራቒ ይአቱ፡ ጭፍራ ኸተርቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኸትሩ አለው እሞ፡ ንእስራኤል ከሕወዮም ምስ ደሌኹ፡ ሽዑ ኣበሳ ኤፍሬምን ሕሰም ሰማርያን ተገልጸ። |
2. | ኣነ ንኹሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ፡ ብልቦም ኣይብሉን። ሕጂ ግብሮም ይኸቦም፡ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከአ አሎ። |
3. | ንንጉሰ ብእከዮም ንመሳፍንቲ ድማ ብሓሶቶምን የሐጎስዎም አለው። |
4. | ኩላቶም ዘመውቲ እዮም። ከምቲ ሰንካቲ ዘርሰኖ እቶን እዮም። ንሱ፡ እቲ ብሑቑ ካብቲ ዘቔምጥዖ ክሳዕ ዚበኩዕ፡ ምቑስቋ ይሐድግ። |
5. | ብመዓልቲ ንጉስና እቶም መሳፍንቲ ብረስኒ ወይኒ ንርእሶም ኣሕመሙ፡ ምስቶም መላገጽቲ ኢዱ ዘርጊሔ። |
6. | ብተንከሎም ንልቦም ከም እቶን ኣዳለውዎ፡ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፡ ንግሆ ኸአ እቲ እቶን ሃልሃል ከም ዚብል ሓዊ ይነድድ። |
7. | ኩላቶም ከም እቶን ይረስኑ ንፈራዶኦም ከአ ይውሕጥዎም። ኩሎም ነገስታቶም ወደቑ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ዚጽውዓኒ የልቦን። |
8. | ኤፍሬም ምስ ህዝብታት ይጸናበር አሎ፡ ኤፍሬም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ። |
9. | ሓይሉ ኣጋይስ ይበልዕዎ፡ ንሱውን ኣይፈልጦን። ሽበት ተነዝሖ፡ ንሱውን ኣይፈልጦን። |
10. | ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር፡ ግናኸ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይምለሱን፡ በዚ ኹሉውን ኣይደልይዎን። |
11. | ኤፍሬም ከም ልቢ ዜብላን ዓሻን ርግቢ ኽነ፡ ንሳቶም ንግብጺ ይጽውዑ፡ ናብ ኣሶር ይኸዱ። |
12. | ኪኸዱ ኸለው መርበበይ ክዝርግሓሎም፡ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከውርዶም፡ ከምቲ ኣብ ማሕበሮም እተነግረ ክቐጽዖም እየ። |
13. | ካባይ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። በዲሎም እዮም እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን። ኣነስ መድሐንክዎም፡ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛረቡለይ። |
14. | ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ አለው እምበር። ብልቦም ናባይ ኣየድህዩን። ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፡ ንኣይ እንከ ዐለውኒ። |
15. | ኣነ ገሰጽክዎ፡ ቅልጽሞም ከአ አበርታዕኩ፡ ንሳቶም ግና እከይ ይሐስቡለይ አለው። |
16. | ንሳቶም ይምለሱ አለው፡ ናብቲ ልዑል ግና ኣይኮነን። ከም መታለሊ ቐስቲ ኾነ። መሳፍንቶም ብሰሪ ኹራ ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። እዚ ኸአ ኣብ ሃገር ግብጺ መላገጺ ኪኾኖም እዩ። |
← Hosea (7/14) → |