| ← Hosea (4/14) → |
| 1. | ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ሓቅን ሳህልን ፍልጠትን ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ሃኣገር ዚነብሩ ዘለው ነገር አለዎ። |
| 2. | መርገምን ሓሶትን ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ገነነ፡ ደም ንደም ተጻናበረ። |
| 3. | ስለዚ እታ ሃገር ክትሐዝን፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኹላቶም ምስ ኣራዊት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ኬሕልው፡ ዓሳ ባሕሪውን ኪውድኡ እዮም። |
| 4. | ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚካታዕ እዩ፡ እምበኣርሲ ሓደ እኳ ኣይካታዕ፡ ሓደ እኳ ኣይግናሕ። |
| 5. | ንስኻ ብመዓልቲ ኽትወድቕ ኢኻ፡ እቲ ነብዩ ኸአ ምሳኻ ብለይቲ ኺወድቕ እዩ፡ ኣነውን ነዴኻ ኺድምስሳ እየ። |
| 6. | ንህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝአቤኻ፡ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ኽአብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፡ ኣነ ኸአ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ። |
| 7. | ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ብኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ። |
| 8. | ሓጢኣት ህዝበይ ይቕለቡ፡ ልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ አሎ። |
| 9. | እቲ ኻህን ከአ ከምቲ ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ድማ ብሰሪ ኣኻይዳኦም ክቐጽዖም፡ ግብሮምውን ክመልሰሎም እየ። |
| 10. | ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ሓሲጎም እዮም እሞ፡ ይበልዑ ኣይጸግቡን ከአ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን ድማ። |
| 11. | ምንዝርና ወይንን ኮልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ። |
| 12. | መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፡ ካብ ኣምላኾም ርሒቆም መንዚሮም እዮም እሞ፡ ህዝበይ ነቲ ዕጨይቲ ይሐትት፡ በትሩውን የነግሮ። |
| 13. | ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፡ ኣብ ልዕሊ ኹርባታት ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ኣውሕን ስየን ጽሕድን፡ ጽላሎም ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ይዐጥኑ። ስለዚ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፡ መርዑኹም ድማ ይዝምዋ። |
| 14. | ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዝር የግልሱ፡ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለው እሞ፡ ኣዋልድኩም ምስ ኣመንዘራ መርዑኹምውን ምዝ ዘመዋ፡ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ኪወድቕ እዩ። |
| 15. | ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እንተ መንዘርካ፡ ይሁዳ ኣይበድል። ናብ ጊልጋል ኣይትእተው፡ ናብ ቤት ኣዌን ድማ ኣይትውጽኡ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኢልኩም ከአ አይትምሐሉ። |
| 16. | እስራኤል ከም ሕንግድ ኣርሒ ሐንጊዱ እዩ እሞ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ከም ዕየት ኣብ ገፊሕ ቦታ ኺጓሰዩ እዩ። |
| 17. | ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሐቢሩ እዩ፡ ሕደጎ። |
| 18. | ሰኽራኖም ይገድድ አሎ፡ ምንዝርና የብዝሑ፡ ሓላቑኣ ኣዝዮም ነውሪ ይፈትው አለው። |
| 19. | ንፋስ በኽናፉ ይአስራ፡ ንሳቶምውን ብመስዋእቶም ኪሐንኩ እዮም። |
| ← Hosea (4/14) → |