← Hosea (3/14) → |
1. | እግዚኣብሄር ከአ፡ መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዚምለሱን ቕጫ ዘቢብ ዚፈትውን ደቂ እስራኤል ዘፍቀሮም፡ ደታዊኣ ዚፈትዋ ኣመንዝራ ሰበይቲ ፎቲ፡ በለኒ። |
2. | ኣነ ኸአ ብዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ብሩርን ብሆመር ስገምን ብለተክ ስገምን ንኣይ ዐደግክዋ። |
3. | ብዙሕ መዓልትታት ተጸበየኒ፡ ኣይትመንዝሪ፡ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፡ ኣነውን ከምኡ ኽገብረልኪ እየ፡ በልክዋ። |
4. | ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፎድን ተራፊምን ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም። |
5. | ደሓር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ኪደልዩ ኺምለሱ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ኪመጹ እዮም። |
← Hosea (3/14) → |