Hosea (3/14)  

1. እግዚኣብሄር ከአ፡ መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዚምለሱን ቕጫ ዘቢብ ዚፈትውን ደቂ እስራኤል ዘፍቀሮም፡ ደታዊኣ ዚፈትዋ ኣመንዝራ ሰበይቲ ፎቲ፡ በለኒ።
2. ኣነ ኸአ ብዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ብሩርን ብሆመር ስገምን ብለተክ ስገምን ንኣይ ዐደግክዋ።
3. ብዙሕ መዓልትታት ተጸበየኒ፡ ኣይትመንዝሪ፡ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፡ ኣነውን ከምኡ ኽገብረልኪ እየ፡ በልክዋ።
4. ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፎድን ተራፊምን ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም።
5. ደሓር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ኪደልዩ ኺምለሱ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ኪመጹ እዮም።

  Hosea (3/14)