| ← Hosea (2/14) → |
| 1. | ነሕዋትኩም፡ ዓሚ፡ ንኣሓትኩም ከአ፡ ሩሓማ፡ በሉ። |
| 2. | ኣዴኹም ሰበይተይ ኣኮነትን፡ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፡ ምስኣ ተኻትዑ፡ ተኻትዑ ምንዝርንኣ ኻብ ገጻ፡ ዝሙታ ኸአ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተውጽእ። |
| 3. | እንተ ዘይኮነስ ገፊፈ ኸምታ እተወልደላ መዓልቲ ጥራይ ኽንብራ፡ ከም ምድረ በዳ ኽገብራ፡ ከም ንቑጽ ምድሪ ኽንብራ፡ ብጽምኢውን ክቐትላ እየ። |
| 4. | ደቃ ድማ ደቂ ምንዝርና እዮም እሞ፡ ኣይክምሕሮምን እየ። |
| 5. | ኣዲኦም መንዚራ እያ እሞ፡ እታ ዝጠነሰቶም ነወረት። ደድሕሪ እቶም እንጌራን ማይን ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ፡ ኢላ እያ እሞ። |
| 6. | ስለዚ እንሆ፡ ንጎደናኺ ብእሾኹ ክሐጽሮ፡ መገድታታ ኸይትረኽቦስ፡ ብቑጽሪ ክቐጽራ እየ። |
| 7. | ደድሕሪ ፈተውታ ክትጎዩ፡ ግናኸ ኣይከተርክቦምን፡ ክትደልዮም፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ ንሳ፡ ካብ ሎሚ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፡ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ፡ ክትብል እያ። |
| 8. | ንሳ ስርናይን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሀብክዋ፡ እቲ ንበዓል ዝገበርዎ ብሩርን ወርቅን ከም ዘብዛሕኩላ፡ ኣይፈለጠትን። |
| 9. | ስለዚ ንስርናየይ ብግዚኡ። ንወይነይ ከአ ብወርሓቱ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትኸድነሉ ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔይን ድማ ክምንዝዓ እየ። |
| 10. | ሕጂ ኸአ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ፈተውታ ሓፍረታ ክቐልዓ እየ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኢደይ ዜድሕና የልቦን። |
| 11. | ኩሉ ሓጎሳን በዓላታን ሰርቂ ወርሓን ሰናብታን ኩሉ ዓበይቲ በዓላታን ከጥፍኣ እየ። |
| 12. | ነቲ፡ ፈተውተይ ዝህቡኒ ደመወዘይ እዚ እዩ፡ ዝበለቶ ተኽሊ ወይንናን ኦም በለሳን ከብርሶ፡ ዱር ከአ ክገብሮ እየ፡ ኣራዊት መሮርውን ኪበልዕዎ እዮም። |
| 13. | ብምኽንያት እተን ንበዓላት ዝዐጠነትለን መዓልትታት ክቐጽዓ እየ፡ ብቐለቤታን ብስልማታን ተጋይጽ ግና ረስዓትኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
| 14. | ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ኽሐባብላ፡ ናብ በረኻ ኽወስዳ፡ ንልባ ኸአ ክዛረቦ እየ። |
| 15. | ካብኡ ኣታኽልቲ ወይና፡ ለሰ ኣኮር ከአ ከም ደገ ተስፋ ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፡ ከምቲ ቦታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ። |
| 16. | በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፡ ድሕርዚ ኸአ በዓለይ ኢልኪ ኣክትጽውዕንን ኢኺ። |
| 17. | ኣነ ድማ ስም በዓላት ካብ ኣፉ ኸውጽእ እየ፡ ድሕርዚ ኸአ ስሞም ኣይኪዝክርን እዩ። |
| 18. | በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክአትወሎም እየ፡ ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ክሰባብሮ፡ ብደሓንውን ከንብሮም እየ። |
| 19. | ንዘለአለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፡ ብጽድቅን ብፍርድን ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፡ |
| 20. | ብእምነት ከአ ንኣይ ክሕጸየኪ፡ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር ክትፈልጥዮ ኢኺ። |
| 21. | በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ኽመልስ እየ፡ ንሰማይ ክመልሰሉ፡ ንሱ ኸአ ንምድሪ ኺመልሰላ እዩ። |
| 22. | ምድሪ ድማ ንስርናይን ወይንን ዘይትን ክትመልሱሉ እያ። እዚውን ንይዝሬኤል ኪመልሰሉ እዩ። |
| 23. | ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ንኣይ ክዘርኦ እየ፡ ንሎሩሓማ ኸአ ክምሕራ እየ፡ ንሎዓሚ ድማ፡ ንስኻ ህዝበይ ኢኻ፡ ክብሎ እየ። ንሱውን፡ ኣምላኸይ ኪብለኒ እዩ። |
| ← Hosea (2/14) → |