Hosea (2/14)  

1. ነሕዋትኩም፡ ዓሚ፡ ንኣሓትኩም ከአ፡ ሩሓማ፡ በሉ።
2. ኣዴኹም ሰበይተይ ኣኮነትን፡ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፡ ምስኣ ተኻትዑ፡ ተኻትዑ ምንዝርንኣ ኻብ ገጻ፡ ዝሙታ ኸአ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተውጽእ።
3. እንተ ዘይኮነስ ገፊፈ ኸምታ እተወልደላ መዓልቲ ጥራይ ኽንብራ፡ ከም ምድረ በዳ ኽገብራ፡ ከም ንቑጽ ምድሪ ኽንብራ፡ ብጽምኢውን ክቐትላ እየ።
4. ደቃ ድማ ደቂ ምንዝርና እዮም እሞ፡ ኣይክምሕሮምን እየ።
5. ኣዲኦም መንዚራ እያ እሞ፡ እታ ዝጠነሰቶም ነወረት። ደድሕሪ እቶም እንጌራን ማይን ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ፡ ኢላ እያ እሞ።
6. ስለዚ እንሆ፡ ንጎደናኺ ብእሾኹ ክሐጽሮ፡ መገድታታ ኸይትረኽቦስ፡ ብቑጽሪ ክቐጽራ እየ።
7. ደድሕሪ ፈተውታ ክትጎዩ፡ ግናኸ ኣይከተርክቦምን፡ ክትደልዮም፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ ንሳ፡ ካብ ሎሚ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፡ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ፡ ክትብል እያ።
8. ንሳ ስርናይን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሀብክዋ፡ እቲ ንበዓል ዝገበርዎ ብሩርን ወርቅን ከም ዘብዛሕኩላ፡ ኣይፈለጠትን።
9. ስለዚ ንስርናየይ ብግዚኡ። ንወይነይ ከአ ብወርሓቱ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትኸድነሉ ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔይን ድማ ክምንዝዓ እየ።
10. ሕጂ ኸአ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ፈተውታ ሓፍረታ ክቐልዓ እየ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኢደይ ዜድሕና የልቦን።
11. ኩሉ ሓጎሳን በዓላታን ሰርቂ ወርሓን ሰናብታን ኩሉ ዓበይቲ በዓላታን ከጥፍኣ እየ።
12. ነቲ፡ ፈተውተይ ዝህቡኒ ደመወዘይ እዚ እዩ፡ ዝበለቶ ተኽሊ ወይንናን ኦም በለሳን ከብርሶ፡ ዱር ከአ ክገብሮ እየ፡ ኣራዊት መሮርውን ኪበልዕዎ እዮም።
13. ብምኽንያት እተን ንበዓላት ዝዐጠነትለን መዓልትታት ክቐጽዓ እየ፡ ብቐለቤታን ብስልማታን ተጋይጽ ግና ረስዓትኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14. ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ኽሐባብላ፡ ናብ በረኻ ኽወስዳ፡ ንልባ ኸአ ክዛረቦ እየ።
15. ካብኡ ኣታኽልቲ ወይና፡ ለሰ ኣኮር ከአ ከም ደገ ተስፋ ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፡ ከምቲ ቦታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።
16. በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፡ ድሕርዚ ኸአ በዓለይ ኢልኪ ኣክትጽውዕንን ኢኺ።
17. ኣነ ድማ ስም በዓላት ካብ ኣፉ ኸውጽእ እየ፡ ድሕርዚ ኸአ ስሞም ኣይኪዝክርን እዩ።
18. በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክአትወሎም እየ፡ ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ክሰባብሮ፡ ብደሓንውን ከንብሮም እየ።
19. ንዘለአለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፡ ብጽድቅን ብፍርድን ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፡
20. ብእምነት ከአ ንኣይ ክሕጸየኪ፡ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር ክትፈልጥዮ ኢኺ።
21. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ኽመልስ እየ፡ ንሰማይ ክመልሰሉ፡ ንሱ ኸአ ንምድሪ ኺመልሰላ እዩ።
22. ምድሪ ድማ ንስርናይን ወይንን ዘይትን ክትመልሱሉ እያ። እዚውን ንይዝሬኤል ኪመልሰሉ እዩ።
23. ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ንኣይ ክዘርኦ እየ፡ ንሎሩሓማ ኸአ ክምሕራ እየ፡ ንሎዓሚ ድማ፡ ንስኻ ህዝበይ ኢኻ፡ ክብሎ እየ። ንሱውን፡ ኣምላኸይ ኪብለኒ እዩ።

  Hosea (2/14)