← Hosea (14/14) |
1. | ዎ እስራኤል፡ ብኣበሳኻ ወዲእካ ኢኻ እሞ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ። |
2. | ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፡ ኩሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፡ ሰናይ ከአ ተቐበል፡ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፡ በልዎ። |
3. | እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፡ ኣሶር ኣየድሕነናን፡ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፡ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና። |
4. | ኩራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፡ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፡ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ። |
5. | ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እኾኖ፡ ንሱ ኸም ዕምበባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከአ ሰረውሩ ይሰድድ። |
6. | ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፡ ምጽባቑ ኸም ኣውሊ፡ መአዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን። |
7. | እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ፡ ብስርናይ ይብርትዑ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፡ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ። |
8. | ዎ ኤፍሬም ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ አሎኒ፡ ኣነ ሰማዕክዎ፡ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዔ ጽሕዲ እየ፡ ፍሬኻ ኻባይ እዩ ዚመጽእ። |
9. | መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ጻድቃን ይመላለስሉ፡ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፡ ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፡ ዚፈልጦኸ ኣይናይ ለባም እዩ፡ |
← Hosea (14/14) |