Hosea (14/14)    

1. ዎ እስራኤል፡ ብኣበሳኻ ወዲእካ ኢኻ እሞ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።
2. ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፡ ኩሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፡ ሰናይ ከአ ተቐበል፡ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፡ በልዎ።
3. እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፡ ኣሶር ኣየድሕነናን፡ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፡ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና።
4. ኩራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፡ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፡ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ።
5. ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እኾኖ፡ ንሱ ኸም ዕምበባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከአ ሰረውሩ ይሰድድ።
6. ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፡ ምጽባቑ ኸም ኣውሊ፡ መአዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን።
7. እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ፡ ብስርናይ ይብርትዑ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፡ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ።
8. ዎ ኤፍሬም ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ አሎኒ፡ ኣነ ሰማዕክዎ፡ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዔ ጽሕዲ እየ፡ ፍሬኻ ኻባይ እዩ ዚመጽእ።
9. መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ጻድቃን ይመላለስሉ፡ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፡ ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፡ ዚፈልጦኸ ኣይናይ ለባም እዩ፡

  Hosea (14/14)