← Hosea (12/14) → |
1. | ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከአ ይስዕብ፡ ኩሉ መዓልቲ ሓሶትን ዓመጽን የብጽሕን፡ ምስ ኣሶር ኪዳን ይአትው፡ ናብ ግብጺውን ዘይቲ ይወስዱ። |
2. | እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፡ ንያእቆብ ከአ ከም መጠን መገዱ ኪቐጽዖ፡ ከም መጠን ግብሩ ድማ ኪፈድዮ እዩ። |
3. | ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ ንሓው ብኹርኹሪኡ ሐዞ፡ ብምብርታዑ ኸአ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ። |
4. | ምስ መልኣኽ ተቓለሰ እሞ ኣሰነፈ፡ በኸየ፡ ለመኖ ኸአ ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፡ ኣብኡውን ተዛረበና። |
5. | ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ስም መዘከርታኡ ድማ እግዚኣብሄር እዩ። |
6. | እምበኣርሲ ናብ ኣምላኸካ ተመለስ፡ ምሕረትን ፍርድን ሐሉ፡ ኩሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር። |
7. | ከንኣናዊ እዩ፡ ኣብ ኢዱ ሓሳዊ ሚዛን አለዎ፡ ምጥዋይ ይፈቱ። |
8. | ኤፍሬም ከአ፡ ኣነ ሀብተምኩ፡ ገንዘብ ኣጥሬኹ፡ ኣብ ኩሉ ጻዕረይ ሓጢኣት ዚኸውን ኣበሳ ኣይርከበንን በለ። |
9. | ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ከምቲ ብመዓልቲ በዓል ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ክንብረካ እየ። |
10. | ንነብያትካ ከአ ተዛረብኩ፡ ራእይ ድማ ኣብዛሕኩ፡ ብነብያት ገይረ ምስላታት ነገርኩ። |
11. | ጊልዓድ ዓመጻ እንተ ኾነ፡ ከንቱነት ጥራይ እዮም። ኣብ ጊልጋል ዝራብዓት ይስውኡ፡ መሰውኢታቶም ከአ ኣብ ነግሒ ግራት ከም እተኾመረ ኣእማን ኪኸውን እዩ። |
12. | ያእቆብ ናብ ሃገር ኣራም ሀደመ፡ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝኤ፡ ምእንቲ ሰበይቲ ኸአ ጓሳ ኾነ። |
13. | ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ነብዩ ኻብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ብኢድ ነብዩ ኸአ ሐለዎ። |
14. | ኤፍሬም ኣምሪሩ ኣቖጥዖ ስለዚ ጎይትኡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ ኼውርደሉ፡ ጸርፉውን ኣብ ልዕሊኡ ኺመልሰሉ እዩ። |
← Hosea (12/14) → |