Hosea (12/14)  

1. ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከአ ይስዕብ፡ ኩሉ መዓልቲ ሓሶትን ዓመጽን የብጽሕን፡ ምስ ኣሶር ኪዳን ይአትው፡ ናብ ግብጺውን ዘይቲ ይወስዱ።
2. እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፡ ንያእቆብ ከአ ከም መጠን መገዱ ኪቐጽዖ፡ ከም መጠን ግብሩ ድማ ኪፈድዮ እዩ።
3. ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ ንሓው ብኹርኹሪኡ ሐዞ፡ ብምብርታዑ ኸአ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ።
4. ምስ መልኣኽ ተቓለሰ እሞ ኣሰነፈ፡ በኸየ፡ ለመኖ ኸአ ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፡ ኣብኡውን ተዛረበና።
5. ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ስም መዘከርታኡ ድማ እግዚኣብሄር እዩ።
6. እምበኣርሲ ናብ ኣምላኸካ ተመለስ፡ ምሕረትን ፍርድን ሐሉ፡ ኩሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር።
7. ከንኣናዊ እዩ፡ ኣብ ኢዱ ሓሳዊ ሚዛን አለዎ፡ ምጥዋይ ይፈቱ።
8. ኤፍሬም ከአ፡ ኣነ ሀብተምኩ፡ ገንዘብ ኣጥሬኹ፡ ኣብ ኩሉ ጻዕረይ ሓጢኣት ዚኸውን ኣበሳ ኣይርከበንን በለ።
9. ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ከምቲ ብመዓልቲ በዓል ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ክንብረካ እየ።
10. ንነብያትካ ከአ ተዛረብኩ፡ ራእይ ድማ ኣብዛሕኩ፡ ብነብያት ገይረ ምስላታት ነገርኩ።
11. ጊልዓድ ዓመጻ እንተ ኾነ፡ ከንቱነት ጥራይ እዮም። ኣብ ጊልጋል ዝራብዓት ይስውኡ፡ መሰውኢታቶም ከአ ኣብ ነግሒ ግራት ከም እተኾመረ ኣእማን ኪኸውን እዩ።
12. ያእቆብ ናብ ሃገር ኣራም ሀደመ፡ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝኤ፡ ምእንቲ ሰበይቲ ኸአ ጓሳ ኾነ።
13. ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ነብዩ ኻብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ብኢድ ነብዩ ኸአ ሐለዎ።
14. ኤፍሬም ኣምሪሩ ኣቖጥዖ ስለዚ ጎይትኡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ ኼውርደሉ፡ ጸርፉውን ኣብ ልዕሊኡ ኺመልሰሉ እዩ።

  Hosea (12/14)