Hebrews (7/13)  

1. እዚ መልክጼዴቅሲ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ፡
2. ኣብርሃም ድማ ካብ ኲሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጒም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂ፡ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ።
3. ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቊጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር ኣሎ።
4. ኣብርሃም፡ እቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሀቦ፡ ንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩ።
5. ካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዚቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቲ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ኪወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ ኣለዎም።
6. እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖ።
7. ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዐብዮ ይምረቕ እዩ።
8. ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱ፡ ኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚወስድ።
9. እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሀበ፡
10. ማለት፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኸቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣቦኡ እዩ ዝነበረ።
11. እምብኣርስኸ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሐጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሀል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝዀነ ኺትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፡
12. ማለት ክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ።
13. እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉ ኻብ ካልእ ዓሌት እዩ፡ ካብቲ ዓሌት እቲ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን።
14. ጐይታናስ ካብ ይሁዳ፡ ሙሴ ብናይ ካህናት ሓንቲ እኳ ዘይተዛረበሉ ዓሌት ከም ዝወጸ፡ ፍሉጥ እዩ።
15. ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩ፡ ብተምሳል መልከጼዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዚትንስእሲ፡
16. ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን።
17. ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን።
18. እቲ ዝሐለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረ፡
19. ሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ፡ እትሐይሽ ተስፋ ኣተወት።
20. እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡ እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡
21. እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡ እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡
22. ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሔሸ ኺዳን ኰነ።
23. እቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ።
24. እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሐልፍ ክህነት ኣለዎ።
25. ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኲሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።
26. ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈለየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና።
27. ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድልዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ።
28. ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም።

  Hebrews (7/13)