Hebrews (5/13)  

1. ካብ ማእከል ሰብ እተወልደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኸስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዚሽየም፡
2. ንርእሱ ኸኣ ድኻም ስለ ዝጠበቖ፡ ነቶም ደናቚርትን እተጋገዩን ኪድንግጸሎም ዚኽእል እዩ፡
3. ስለዚ ድማ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ተገብኦ።
4. ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ።
5. ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽበሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን።
6. ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከ ጸዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዚብል።
7. ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከኣሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡
8. ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ።
9. ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።
10. ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።
11. ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ።
12. ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ።
13. ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዂሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን።
14. ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።

  Hebrews (5/13)