Hebrews (4/13)  

1. እምኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ።
2. ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተነጊሩልና ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቕሞምን።
3. ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቚጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና።
4. ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኲሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ፡ ኢሉ ኣሎ።
5. ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ በለ።
6. እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡
7. ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎም ብምባሉ ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ ኣሎ።
8. እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።
9. እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።
10. እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።
11. ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣይ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጋደል።
12. ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጒዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
13. እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዂሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን።
14. ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ።
15. ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ።
16. ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።

  Hebrews (4/13)