| ← Hebrews (4/13) → |
| 1. | እምኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ። |
| 2. | ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተነጊሩልና ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቕሞምን። |
| 3. | ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቚጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። |
| 4. | ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኲሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ፡ ኢሉ ኣሎ። |
| 5. | ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ በለ። |
| 6. | እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ |
| 7. | ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎም ብምባሉ ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ ኣሎ። |
| 8. | እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። |
| 9. | እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። |
| 10. | እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። |
| 11. | ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣይ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጋደል። |
| 12. | ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጒዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ። |
| 13. | እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዂሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። |
| 14. | ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ። |
| 15. | ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ። |
| 16. | ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ። |
| ← Hebrews (4/13) → |