Hebrews (3/13)  

1. ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኹም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናብ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ።
2. ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኹም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናብ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ።
3. ከምቲ እቲ ስራሕ ቤት ካብቲ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንእኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ተገቢእዎ ኣሎ።
4. ቤት ዘበለትሲ ስራሒኣ ኣለዋ፡ እቲ ንዂሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።
5. ሙሴስ ብዛዕባ እቲ ደሓር ኪንገር ዘለዎ ነገር ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ነበረ፡
6. ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና።
7. ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡
8. ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ ልብኹም ኣይተትርሩ።
9. ኣብኡ ኣቦታትኩም እናተዐዘቡ ፈተኑኒ፡ ግብረይ ከኣ ኣርብዓ ዓመት ረኣዩ።
10. ስለዚ ነዚ ወለዶ እዚ ዀሬኸሉ እሞ፡ ኲሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡ መገደይ ግና ኣይፈለጥዎን፡ በልኩ።
11. ብቚጥዓይ ድማ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ መሐልኩ።
12. ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሀል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ።
13. ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሀል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ።
14. ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናያስ፡ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣሎና።
15. ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከምቲ ብነድሪ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ እናተባህለ፡
16. ሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዂላቶም ደይኰኑን
17. ንንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎም፡ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን
18. ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሐለ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን
19. ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን፡ ንርኢ ኣሎና።

  Hebrews (3/13)