Hebrews (13/13)    

1. ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ።
2. ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።
3. ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም።
4. ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኲሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።
5. ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኩም ዕገቡ።
6. ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ ንበል።
7. ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዐቡ።
8. የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።
9. ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ።
10. እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ ኣሎና።
11. እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ ኣሎና።
12. ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደሙ ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ።
13. ነትእ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ።
14. ነትእ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ።
15. እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ።
16. ኣምማእኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ።
17. ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
18. ብዂሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና፡ ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ ኣሎና እሞ፡ ጸልዩልና።
19. ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሀበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም ኣሎኹ።
20. ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡
21. ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
22. ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም ኣሎኹ።
23. ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ።
24. ንዂላቶም መራሕትኹምን ንዂላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
25. ጸጋ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

  Hebrews (13/13)