Hebrews (12/13)  

1. ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣኽል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዂሉ ዚኸብደና ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጒየ።
2. ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።
3. ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዐገሰ ዘክርዎ።
4. ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን።
5. እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዐቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም።
6. እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዐቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም።
7. ቅጽዓት እንተ ተዐገሰኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ
8. ብዘይ እታ ዂሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን።
9. ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ
10. እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና።
11. ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜእሪ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።
12. ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡
13. እቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ፡ ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።
14. ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኲሉ ሰብን ስዐብወን።
15. ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቚሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ።
16. ክላምጥሕ ንሓደ ብልዒ ብዂርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ።
17. ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽነሱስ፡ ንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም።
18. ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዚትንከን ብሓዊ ዚነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን፡
19. ናብ ቃና መለኸትን ናብቲ እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ ድምጺ ቓልን ኣይበጻሕኩምን።
20. ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከዮስ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዚብል ትእዛዝ ኪጾርዎ ኣይተኻእሎምን።
21. ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን ኣሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢት ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ ነበረ።
22. ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብቲ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌምን ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡
23. ናብ ጉባኤ ዂሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዂራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኲሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማት ጻድቃንን፡
24. ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣሎኹም።
25. እቲኣቶም፡ ኣብ ምድሪ ኺዛረቦም ከሎ፡ ኣብዮም ካብ ዝየምልጡስ፡ ንሕና ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ኻብ እንመልሰሉ ግዳ፡ ከመይ ኢልና ኸነምልጥ ስለዚ ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ።
26. ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣ፡ ሕጂ ግና፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር፡ ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተስፋ ይህብ።
27. እዛ፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ፡ ምባል ከኣ፡ እቲ ዘየንቀጥቅጥ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ እቲ ዜንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልከት ዘላ።
28. ኣምላኽና ዚባላዕ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሕጒሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።
29. ኣምላኽና ዚባላዕ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሕጒሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።

  Hebrews (12/13)