| ← Hebrews (10/13) → |
| 1. | ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመት ኲሉ ሳዕ ዚስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዜቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከኣሎን እዩ። |
| 2. | ግናኸ ኣብ ዐዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዚኸውን፡ ከምዚ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ሓንሳእ ካብ ዚነጽሁ፡ ኣብ ሕሊናኦምውን ደጊም ሓጢኣት ካብ ዘይህልዎም፡ ካብ ምስዋእዶ ኣይምዐረፉን ነይሮም |
| 3. | ግናኸ ኣብ ዐዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዚኸውን፡ ከምዚ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ሓንሳእ ካብ ዚነጽሁ፡ ኣብ ሕሊናኦምውን ደጊም ሓጢኣት ካብ ዘይህልዎም፡ ካብ ምስዋእዶ ኣይምዐረፉን ነይሮም |
| 4. | ማለት፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከኣሎን እዩ። |
| 5. | ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡ |
| 6. | ብዚሐርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእን ባህ ኣይበለካን። |
| 7. | ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በልኩ። |
| 8. | ኣብ ላዕሊ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም ዜቕርብዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ዚሐርር መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ ኣይደሌኻን ብእኡውን ባህ ኣይበለካን፡ ኢሉ፡ |
| 9. | ደሓር ከኣ፡ እንሆ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በለ። ምእንቲ ነቲ ዳሕራይ ኬጽንዕ ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰዐሮ። |
| 10. | በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣሎና። |
| 11. | ካህን ዘበለ ዂሉ ኣብ ጸጽባሕ እናገልገለ ይቐውም እዩ እሞ ነቲ ሓጢኣት ኬርሕቖ ከቶ ዘይከኣሎ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ ኣሎ። |
| 12. | ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። |
| 13. | ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። |
| 14. | ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። |
| 15. | መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምስክረልና ኣሎ፡ |
| 16. | ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምሳታቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ልቦም ክህቦም፡ ኣብ ሓሳቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ምስ በለ፡ |
| 17. | ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን ከቶ ኣይክዝክርን እየ፡ ይብል። |
| 18. | እምብኣርሲ ኣብቲ ናይ እዚ ይቕሬታ እዚ ዘለዎስ፡ ደጊም መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ኣየድልን እዩ። |
| 19. | ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ |
| 20. | ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ |
| 21. | ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዚህልወናስ፡ |
| 22. | ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጽሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ። |
| 23. | እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። |
| 24. | ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። |
| 25. | እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣሎኸም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ። ኣኼባና ኣይንሕደግ። |
| 26. | ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። |
| 27. | ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። |
| 28. | እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። |
| 29. | ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸርፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም |
| 30. | ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕጊ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። |
| 31. | ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ። |
| 32. | ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዐጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን፡ |
| 33. | ብሓደ ወገን ብጸርፍን ብጸበባን መላገጺ ዄንኩም፡ ብሓደ ወገን ድማ ምስቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተማቐልቲ ዄንኩም፡ |
| 34. | ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ኸነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዐገስኩም። |
| 35. | እምብኣርሲ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። |
| 36. | ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። |
| 37. | ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጒን ከኣ እዩ። |
| 38. | ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። |
| 39. | ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን። |
| ← Hebrews (10/13) → |