Haggai (2/2)    

1. ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸአ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዩ ሃጌ መጸ፡
2. እምበኣርስኸ ንዙሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ንእያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዚ ኢልካ ንገሮም፡
3. ነዛ ቤት እዚኣ በቲ ቐዳማይ ክብረታ ዝረኣያ ኻባኻትኩም ተሪፉ ዘሎ መን እዩ፡ ሕጂኸ ኸመይ ኮይና ትርእይዋ አሎኹም፡ ኣብ ኣዒንትኹምሲ ኸም ዘየላዶ ኣይኮነትን፡
4. ሕጂ ኸአ፡ ዎ ዙሩባቤል፡ ጽናዕ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናት ድማ ጽናዕ፡ ኩልኹም ህዝቢ እታ ሃገርውን ጽንዑ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ምሳኻኩም እየ እሞ፡ ዕየዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
5. ከምት ኻብ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ቓል ኪዳነይ፡ መንፈሰይ ኣብ ማእከልኩም ይነብር አሎ፡ ኣይትፍርሁ።
6. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ ገና ሐደ ጊዜ፡ ብሓጺር ጊዜ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ።
7. ንኹላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም ኣየ፡ ናይ ኩላኦም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ፡ ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
8. ካብቲ ቐዳማይሲ ኢ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
9. ካብቲ ቐዳማይሲ ኢ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
10. ብኻልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ታስዐይቲ ወርሒ ብኢድ ነብዩ ሃጌ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ፡
11. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት፡ ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ እተቐደሰ ስጋ እንተ ቖጸረ፡ በዛ ዘፈሩ ኸአ እንጌራ ወይ ጸብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይስ ዝኾነ ይኹን ምግቢ እንተ ተንከየስ፡ እዚኤንዶ ይቕደሳ እየን፡ ኢልካ ሕተቶም። እቶም ካህናት ድማ፡ ኣይፋለንን፡ ኢሎም መለሱሉ።
12. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት፡ ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ እተቐደሰ ስጋ እንተ ቖጸረ፡ በዛ ዘፈሩ ኸአ እንጌራ ወይ ጸብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይስ ዝኾነ ይኹን ምግቢ እንተ ተንከየስ፡ እዚኤንዶ ይቕደሳ እየን፡ ኢልካ ሕተቶም። እቶም ካህናት ድማ፡ ኣይፋለንን፡ ኢሎም መለሱሉ።
13. ሽዑ ሃጌ፡ ብሬሳ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚአተን ገለ እንተ ተንከየስ፡ ትረክስዶ እያ፡ በሎም። እቶም ካህናት ከአ፡ እወ ትረክስ እያ፡ ኢሎም መለሱሉ።
14. ሃጌ ኸአ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እዚ ዓሌት እዚ ኸምኡ እዩ፡ ኣብ ቅድመይ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምኡ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኩሉ ዕዮ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዜቕርቡለይ ድማ ርኹስ እዩ።
15. ሕጂ ኸአ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸይተነብረ ኾታ ኻብዛ መዓልቲ እዚኣ ኽሳዕ ቀደም ዝኾነ ሕሰቡ።
16. ብኹሉ እቲ ዘመን እቲ ናብ ዕስራ መስፈር ዘለዎ ምህርቲ እንተ መጸ፡ ዓሰርተ ጥራይ ኮነ፡ ሓምሳ መስፈር ኪቕድሕ፡ ናብ መጽመቑ እንተ መጸ፡ ዕስራ ጥራይ ኮነ።
17. ንኹሉ ዕዮ ኣእዳውኩም ብሃጉን ብዋግን ብበረድን ወቓዕክዎ፡ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18. ሕሰቡ ኾታ፡ ካብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻዕ ቀደም ዝኾነ፡ ካብታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ታስዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ መቕደስ እግዚኣብሄር እተሰረተትላ መዓልቲ፡ ሕሰቡ።
19. እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ አሎ እዩ፡ ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውልዕን ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ኽባርኽ እየ።
20. ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ሳዕ ናብ ሃጌ መጸ፡
21. ንዙሩባቤል ምስለኔ ይሁዳ፡ ኣነ ሰማይን ምድርን ከነቓንቕ እየ፡ ዝፋን መንግስትታት ክገላብጥ፡ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ፡ ሰረገላታትን ኣብኤን ዜቕመጡን ከገላብጥ እየ፡ ኣፍራስን ዚውጥሕዎምን ከአ ነፍሲ ወከፎም ብሰይፊ ሓው ኺወድቕ እዩ ኢልካ ንገሮ።
22. ንዙሩባቤል ምስለኔ ይሁዳ፡ ኣነ ሰማይን ምድርን ከነቓንቕ እየ፡ ዝፋን መንግስትታት ክገላብጥ፡ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ፡ ሰረገላታትን ኣብኤን ዜቕመጡን ከገላብጥ እየ፡ ኣፍራስን ዚውጥሕዎምን ከአ ነፍሲ ወከፎም ብሰይፊ ሓው ኺወድቕ እዩ ኢልካ ንገሮ።
23. በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ዎ፡ ዙሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ባርያይ፡ ኣነ ኽወስደካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ሐርየካ እየ እሞ፡ ከም ቀለቤት ማሕተም ክገብረካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

  Haggai (2/2)