Haggai (1/2)  

1. ብኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣአ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ብኢድ ነብህዩ ሃጌ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዙሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ ሊቀ ኻህናትን መጸ።
2. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እዚ ህዝቢ እዚ፡ እቲ ጊዜ፡ ቤት እግዚኣብሄር እትስርሓሉ ጊዜ፡ ኣይበጽሔን፡ ይብል አሎ።
3. ግናኸ፡ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ ይብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዩ ሃጌ መጸ።
4. ግናኸ፡ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ ይብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዩ ሃጌ መጸ።
5. እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ።
6. ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፡ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፡ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፡ ተኸደንኩም ኣይሞቑኩምን፡ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ አሎ።
7. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ፡ ይብል አሎ።
8. ናብ ኣኽራን ደይቡ፡ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፡ ነታ ቤት ከአ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእኣ ኽሕጎስን ክኸብርን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9. ንስኻትኩም ብዙሕ ተጸቤኹም፡ እንሆ ኸአ፡ ሒደት እዩ፡ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኹምምዎ ኸአ፡ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። ስለምንታይ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነፍሲ ወከፍኩም ናብ በቤትኩም እናጎየኹምሲ፡ ቤተይ ስለ ዝዐነወት እዩ።
10. ስለዚ ሰማያት ብሰርኹም ኣውሊ ኸልከለ፡ ምድሪ ኸአ ፍሬኣ ኸልኤት።
11. ኣነውን ኣብ ልዕሊ ምስርን ኣብ ልዕሊ ኣኽራንን ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቁሎን ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ኹሉ ዕዮ ኣእዳውን ደርቂ ጸዋዕኩ።
12. ሽዑ ዙሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልን እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትን እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተረፉ ኹላቶምን ንደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኾንምን ንቓል ነብዩ ሃጌን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ፡ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ ኸአ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሁ።
13. ሃጌ ልኡኽ እግዚኣብሄር በታ መልእኽቲ እጋብሄር ንህዝቢ፡ ኣነ ምሳኻትኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኢሉ ተዛረቦም።
14. እግዚኣብሄር ከአ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትናን ንመንፈስ ኩሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ መጹ፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ከአ ይሰርሑ ነበሩ።
15. እግዚኣብሄር ከአ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትናን ንመንፈስ ኩሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ መጹ፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ከአ ይሰርሑ ነበሩ።

      Haggai (1/2)