Habakkuk (3/3)    

1. ጸሎት ነብዩ እንባቆም ብሺግዮኖት።
2. ዎ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፡ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ፡ ብቑጥዓ ኸአ ምሕረት ዘክር።
3. እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፡ እቲ ቅዱስ ከአ ካብ ከረን ፋራን መጸ። ሴላ። ክብረቱ ሰማያት ከደነ፡ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤት።
4. ምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ፡ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ፡ ሓይሉውን ኣብኡ ተሐብኤ።
5. ቀቅድሚኡ ፌራ ኸደ፡ ረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸ።
6. ደው በለ፡ ንምድሪውን ለክዓ፡ ጠመተ፡ ነህዛብ ከአ ኣንቀጥቀጦም፡ እቶም ዘለአለማውያን ኣኽራን ፈረሱ፡ እቶም ጥንታውያን ኩርባታት ድማ ለጠቕ በሉ፡ መገድታቱ ኻብ ዘለአለም እዩ።
7. ድንኳናት ኢትዮጵያ ኺጭነቑ ኸለው ርኤኽዎ፡ መጋረጃታት ሃገር ሚድያን ኣንፈጥፈጡ።
8. እግዚኣብሄርዶ ንርባታት ተቖጢዕም እዩ፡ በፍራስካ፡ ብናይ ምድሓን ሰረገላታትካ እትኸይድሲ፡ ኹራኻዶ ኣብ ልዕሊ ርባታት፡ ቁጥዓኻስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪዶ ኾይኑ እዩ፡
9. ከምቲ ብቓልካ ዝመአልካዮ፡ ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትኻ ገተርካሎም። ሴላ። ንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ።
10. እቶም ኣኽራን ረአዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ፡ ሞገድ ማያት ሐለፈ፡ መዓሙቑ ድምጹ ኣስምዔ፡ ኣእዳው ኸአ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ።
11. ጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራኤን ቁማ፡ ብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዚብል ኩናትካን ከዱ።
12. ንምድሪ ብኹራ ሐለፍካያ፡ ነህዛብ ብቑጥዓ ኣኼድካዮም።
13. ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ፡ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካ፡ ርእሲ ቤት ረእሲ ጨፍለቕካ። ሴላ።
14. ንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኩናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ኺብትኑኒ መጹ፡ ሓጎሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዚውሕጥ ነበረ።
15. ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ፡ ነቲ ኹምራ ዓበየቲ ማያት ረገጽካዮ።
16. ሰማዕኩ፡ ከብደይ ከአ ኣንቀጥቀጠ፡ ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣንፈጥፈጠ፡ ቁንቁነ ኣብ ኣዕጽምተይ አተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸአ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ ።
17. ኦም በለስ ኣይክትዕብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርቡ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ፡ ኣብጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍእ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰእና እየን።
18. ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ።
19. እግዚኣብሄር፡ እቲ ጐይታ፡ ሓይለየ እዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፡ ኣብቲ በኽሪ ቦታይውን ክመላለሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ።

  Habakkuk (3/3)