Genesis (8/50)  

1. ኣምላኽ ከኣ ንኖህ ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ኹሎም ኣራዊትን ኩላ እስንሳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማይ ከኣ ጎደለ።
2. ናይቲ መዓሙቕ ዓይኒ ማያትን መሳኹቲ ሰማይን ተዐብሰ። ሰርቢውን ካብ ሰማይ ጸሓየ።
3. እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናተመልሰ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኽኣ እቲ ማይ ጎደለ።
4. ብሳብዓይቲ ወርሒ፡ ክባታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት።
5. እቲ ማይ ከኣ ክሳዕ ዓሰረይቲ ወርሒ እናጎደለ ኸደ። ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ርእሲ እቲ ኣኽራን ተራእየ።
6. ኮነ ኽኣ፡ ኣብ መወዳኣታ ኣርብዓ መዓልቲ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኮት ከፈቶ።
7. ዃኽ ድማ ሰደደ፡ ንሱ ይማላለስ ነበረ።
8. ድሕርዚ ድማ ማይ ካብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ጎዲሉ እንተ ኾነ ኺርኢ፡ ካብቲ ዘለዎ ርግቢ ሰደደ።
9. ኣብ ልዕሊ ገጽ ኹላ ምድሪ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፡ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈላ ኣይረኸበትን እሞ፡ ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶ። ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ናብ መርከብ ኣእተዋ።
10. ገና ኻልእ ሻብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ።
11. እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ተመልሰቶ፡ እንሆ ኽኣ ልሙዕ ቑጽሊ ኣውልዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ አም ዝነጸፈ ፈለጠ።
12. ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይተመልሰትን።
13. ኾነ ኽኣ፡ ኣብ መበል ሹድሹተ ሚእትን ሓደን ዓመቱ ንኖህ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መርሒ ካባታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነጸፈ። ሽዑ ኖህ ናሕሲ መርከብ ቀሊዑ ረኣየ፡ እንሆ ገጽ እታ ምድሪ ነቒጻ ነበረት።
14. ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ እታ ምድሪ ነቐጸት።
15. ኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
16. ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን፡ ኣንስቲ ደቅኻን ኸኣ ምሳኻ፡ ካብ መርከብ ውጹ።
17. ምሳኻ ዘሎ ኹሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ኣዕዋፍ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ምድሪ ድማ ይፈረዩን ይብዝሑን።
18. ሽዑ ኖህ፡ ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ወጹ።
19. ኩሉ ኣራዊትን ኩሉ ለመምታ ኩለን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ዚዋሳሰስ ዘበለ ኹሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ።
20. ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኩለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ።
21. እግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጨነወ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብልቡ፡ ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ ኢዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማን። ድሕሪ ደጊምሲ ኣይክወቅዕን ኢየ።
22. ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ በለ።

  Genesis (8/50)