Genesis (7/50)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ በሎ፡ ኣብዛ ወለዶ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ጽዲቕካ ረኺበካ ኢየ እሞ ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ።
2. ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ኹሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪኢ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ ካብ ኩሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኩሉ ዘይንጹሕ እንስሳ ኽኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ኪኾና ብህይወት ኪተርፉ፡ ሸሾብዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ።
3. ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ኹሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪኢ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ ካብ ኩሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኩሉ ዘይንጹሕ እንስሳ ኽኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ኪኾና ብህይወት ኪተርፉ፡ ሸሾብዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ።
4. ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ኹሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪኢ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ ካብ ኩሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኩሉ ዘይንጹሕ እንስሳ ኽኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ኪኾና ብህይወት ኪተርፉ፡ ሸሾብዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ።
5. ኖህ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ገበረ።
6. ኖህ ድማ፡ እቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ከሎ፡ ወዲ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ነበረ።
7. ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ክኣ ምስኡ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ናብ መርከብ ኣተው።
8. ካብ ንጹህ እንስሳን ካብ ዘይንጽህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል ኩሉን፡
9. ከምቲ ኣምላኽ ንኖህ ዝኣዘዞ፡ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተው።
10. ኮነ ኽኣ ድሕሪ እተን ሾብዓተ መዓልቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ኾነ።
11. ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመቱ ንዕድመ ኖህ፡ ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናይቲ ዓበይቲ መዓሙቑ ዓይኒ ማይያት ተቐደ፡ መሳኹቲ ሰማይ ድማ ተኸፍተ።
12. ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከኣ ኣብ ምድሪ ዘነመ።
13. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኖህን ደቂ ኖህ ከኣ፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ስበይቲ ኖህን ሰለስቲኤን ኣንስቲ ደቁ ድማ ምስኦም ናብ መርከብ ኣተው።
14. ንሳቶምን ኩሉ ኣራዊት በብዓይነቱን ኩሉ እንስሳ በብዓይነቱን ኩለን ኣዕዋፍ በብዓይነተን ኩሉ ጨራሩን፡ ክንፊ ዘለዎ ኹሉ ድማ ናብ መርከብ ኣተው።
15. ህያው ትንፋስ ካብ ዘለዎ ኹሉ ስጋ ከክልተ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተው።
16. እቶም ዝኣተው ድማ ኸምቲ ኣምላኽ ዝኣዛዞ፡ ካብ ኩሉ ስጋ ተባዕታይን ኣንስታይን ኣተው። እግዚኣብሄር ከኣ ብድሕሪኡ ዐጸዎ።
17. ማይ ኣይሂ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከኣ በዝሔ፡ ነታ መርከብ ድማ ኣልዐላ ካብ ምድሪ ኽኣ ንላዕሊ ኽብ በለት።
18. እቲ ማይ ድማ በርትዔ፡ ኣብ ምድሪ ኽኣ ኣዝዩ በዝሔ። ኣት መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ተጽባህልል ነበረት።
19. እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርዔ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ኹሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጎልበበ።
20. እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ንላሊ ደየበ፡ እቲ ኣኽራን ከኣ ተጎልበበ።
21. ሽዑ ኣብ ምድሪ ዘወሳወስ ስጋ ዘበለ ኹሉ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኩሉ ለመምታን ኩሉ ሰብን ሞተ።
22. ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ኹሉ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ ዝነበሮ ሞተ።
23. ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ ኹሉ ህያው ጠፍኤ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስስን ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ጠፍኡ፡ ኖህ ጥራይ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ።
24. እቲ ማይ ክሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ በርትዔ።

  Genesis (7/50)