Genesis (6/50)  

1. ኮነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡
2. እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ መልክዓኛታት ከም ዝኾና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ።
3. እዝጋኢብሄር ከኣ፡ ንሱ ስጋ ድማ ኢዩ እሞ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በሉ።
4. ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተው፡ ንሳተን ከኣ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነብሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም ኢዮም።
5. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምስሪ ኸም ዝበዝሔን ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፋእ ጥራይ ከም ዝኾነን ረአየ።
6. እግዛኢብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ብልቡ ድማ ጎሀየ።
7. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሰብ ስለ ዝገብርክዎ ታጣዒሰ ኢየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳብ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም ኢየ በለ።
8. ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ።
9. ወለዶ ኖህ እዚ ኢዩ፡ ኖህ ኣብቶም ወለዶታት ጸድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ።
10. ኖህ ድማ ስለስተ ወዲ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ።
11. ምድሪ ኽኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።
12. ስጋ ዘበለ ኹሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ክኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንንሆ ድማ ተበላሽያ ነበረት።
13. ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎ፡ ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ ኢያ እሞ፡ መወዳእታ ኹሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም ኢየ።
14. ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ።
15. ከምዚ ኸኣ ግበራ፡ ምናሕ እታ መርከብ ስለስተ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሓ ሓምሳ እመት ቁመታ ድማ ሰላሳ እመት ይኹን።
16. ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮ። ታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ።
17. ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ኹሉ ስጋ ኽጠፍእሲ፡ እንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ ኢየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ኺመውት እዩ።
18. ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣስንቲ ደቅኻን፡ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ።
19. ምሳኽ ብህይወት ምእንቲ ክትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኩሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኩሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱ፡ ተባዕታይን ኣስተይትን ይኹኑ።
20. ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነቱ፡ ካብ እንስሳ በብዕይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብል በብዓይንቱ ጊርካ፡ ካብ ዝኾነ ዓሊት ከክልተ ናባኻ ይእተው።
21. ካብ ዝብላዕ ኩሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦ።
22. ኖህ ድማ ከምኡ ገብረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኹሉ ነገር ከምኡ ገበረ።

  Genesis (6/50)