← Genesis (6/50) → |
1. | ኮነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ |
2. | እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ መልክዓኛታት ከም ዝኾና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። |
3. | እዝጋኢብሄር ከኣ፡ ንሱ ስጋ ድማ ኢዩ እሞ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በሉ። |
4. | ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተው፡ ንሳተን ከኣ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነብሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም ኢዮም። |
5. | እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምስሪ ኸም ዝበዝሔን ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፋእ ጥራይ ከም ዝኾነን ረአየ። |
6. | እግዛኢብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ብልቡ ድማ ጎሀየ። |
7. | እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሰብ ስለ ዝገብርክዎ ታጣዒሰ ኢየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳብ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም ኢየ በለ። |
8. | ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ። |
9. | ወለዶ ኖህ እዚ ኢዩ፡ ኖህ ኣብቶም ወለዶታት ጸድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ። |
10. | ኖህ ድማ ስለስተ ወዲ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ። |
11. | ምድሪ ኽኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት። |
12. | ስጋ ዘበለ ኹሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ክኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንንሆ ድማ ተበላሽያ ነበረት። |
13. | ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎ፡ ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ ኢያ እሞ፡ መወዳእታ ኹሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም ኢየ። |
14. | ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ። |
15. | ከምዚ ኸኣ ግበራ፡ ምናሕ እታ መርከብ ስለስተ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሓ ሓምሳ እመት ቁመታ ድማ ሰላሳ እመት ይኹን። |
16. | ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮ። ታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። |
17. | ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ኹሉ ስጋ ኽጠፍእሲ፡ እንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ ኢየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ኺመውት እዩ። |
18. | ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣስንቲ ደቅኻን፡ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። |
19. | ምሳኽ ብህይወት ምእንቲ ክትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኩሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኩሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱ፡ ተባዕታይን ኣስተይትን ይኹኑ። |
20. | ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነቱ፡ ካብ እንስሳ በብዕይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብል በብዓይንቱ ጊርካ፡ ካብ ዝኾነ ዓሊት ከክልተ ናባኻ ይእተው። |
21. | ካብ ዝብላዕ ኩሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦ። |
22. | ኖህ ድማ ከምኡ ገብረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኹሉ ነገር ከምኡ ገበረ። |
← Genesis (6/50) → |