Genesis (50/50)    

1. ዮሴፍ ኣብ ገጽ ኣቡኡ ወዲቑ ኣብ ልዕሊኡ በኸየ ሰዐሞ ድማ።
2. ዮሴፍ ከኣ ነቶም ፈዋሶ ገላውኡ ነቦኡ ብቕዱይ ቅብኢ ኪለኽይዎ ኣዘዞም። እቶም ፈዋሶ ድማ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸይዎ።
3. መዓልታት ምልካይ ከምኡ እየን ዝፍጸማ እሞ ኣርብዓ መዓልቲ መሊኡኩ። ግብጻውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ
4. መዓልታት ሓዘን ምስ ሓለፉ ኸኣኣ፡ ዮሴፍ ንቤት ፈርኦን ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ በጃኹም ንፈርኦን ኣብ እዝኑ ኸምዚ ኢልኩም ንገሩለይ፡
5. ኣቦይ እንሆ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣብታ ኣብ ሃገር ከነኣን ንኣይ ኢለ ዝኾዐትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕጂ ኸኣ ክኸይድ እሞ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ’
6. ፈርኦን ድማ ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሓለካ ነቦኻ ቕበሮ በለ።
7. ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ኪቐብሮ ደየብ። ኩላቶም ገላው ፈርኦንን ዓበይቲ ቤቱን፡ ኩላቶም ዓበይቲ ሀግር ግብጺ ድማ ምስኡ፡
8. ኩላቶም ስድራ ቤት ዮሴፍን ኣሕዋቱን ስድራ ቤት ኣቡኡን ድማ ደየቡ። ቆልዑኦምን ኣብጊዖምን ኣሓኦምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሓደጉ።
9. ሰረገላታትን ፈረሰኛታት ድማ ምስኡ ደየቡ እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ነበረ።
10. ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፡ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩሉ። ነቡኡ ሾብዓተ መዓልቲ መልቀስ ገብረሉ።
11. እቶም ኣብታ ሃገር ዚቕመጡ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውደ እጣድ ዝኾነ መልቀስ ምስ ረኣዩ፡ እዚ ዓብዩ መልቀስ ግብጻውያን እዩ በሉ። ስለዚ ኸኣ ስማ ኣቤልሚስራይም ተባህለት። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።
12. ደቁ ድማ ከምቲ ዝኣዛዞም ገብረሉ።
13. እቶም ደቁ ኸኣ ጸይሮም ናብ ምድሪ ኸነኣን ወሰድዎ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ ኣብርሃም ርስቲ ንመቓብር ኢሉ ኻብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ ኣብ በዓቲ ግራት ምክጴላ ቐበርዎ።
14. ዮሴፍ ነቡኡ ምስ ቀበሮ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ናቡኡ ኪቐብሩ ምስኡ ዝደየቡ ኹላቶም ናብ ግብጺ ተመልሰ።
15. ኣሕዋት ዮሴፍ ኣብኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ምናልባሽ ዮሴፍ ይጸልኣና እሞ፡ እቲ ዝገብርናዮ ኹሉ ኽፉእ ከኣ የድዮና በሉ።
16. ንዮሴፍ ድማ ኣቦኻ ቕድሚ ሞቱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዘ፡ ኢሎም ለኣኽሉ፡
17. ዮሴፍ እቲ ክፉእ ዝገብሩኻ በደል ኣሕዋትካን ሓጢኣቶምን ሕደገሎም ሕድርኻ በልዎ። ሕጂ ኸኣኣ በደል ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ይቕረ ኽትብል፡ ንልምነካ ኣሎና። ዮሴፍ ከኣ ምስ ተዛረብዎ በኸየ።
18. እቶም ኣሕዋቱ ድማ ከይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ወደቑ፡ እንሆ ንሕና ገላውኻ ኢካ ከኣ በልዎ።
19. ዮሴፍ ድማ ኣይትፍርሁ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፡
20. ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሓሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዝለኦ ኽገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ንጽቡቕ ሐአበ።
21. ሕጂ ኸኣ ኣይትፍርሁ። ኣነ ንኣኻትኩም ንቑልዑኹምን ኪቕልበልኩም እየ በሎም። ኣጸናንዖምን ድማ ንልቦምብ ዜሕጉስውን ተዛረቦም።
22. ዮሴፍ ድማ፡ ንሱን ቤት ኣቡኡን ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። ዮሴፍ ከኣ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነብሩ።
23. ዮሴፍ ድማ ንደቂ ኤፍሬም ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ ረአየ። ደቂ ሚኪር ወዲ ምናሴ ኸኣ ኣብ ብርኪ ዮሴፍ ተወልዱ።
24. ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣምላኽ ግና ብሓቂ ኺብጽሓኩም እዩ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኼድይበኩም እዩ። በሎም።
25. ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል ኣምላኽ ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ እሞ፡ ነዕጽዎተይ ካብዚ ኣደይብዎ፡ ኢሉ ኣምሓሎም።
26. ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብቕዱይ ቅብኢ ድማ ለኸይዎ ኣብ ሳጹን ገይሮም ከኣ ኣብ ግብጺ ኣንበርዎ።

  Genesis (50/50)