Genesis (5/50)  

1. መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ ኢዩ፡ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ።
2. ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም ባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ክኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽኣሎም።
3. ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገብረ፡ ከም መልክዑ ኽኣ ንእኡ ዝመስል ወዲ ወለደ፡ ስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ።
4. ዕድመ ኣዳም ድሕርቲ ንሴት ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኮነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።
5. ኣዳም ዝነበሮ ኹሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ።
6. ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖክ ከኣ ወለደ።
7. ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።
8. ኩሉ ዕድመ ሴት፡ ትሸዓተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ።
9. ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ገብረ፡ ንቃይናን ክኣ ወለደ።
10. ሄኖስ ድማ ድሕርቲ ንቃይናን ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሓሙሽተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።
11. ኩሉ ዕድመ ሄኖስ ትሸዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ ።
12. ቃይናን ከኣ ሰብዓ ዓመት ገብረ፡ ነመሃላልኤል ድማ ወለደ።
13. ቃይናን ነመሃላልኤል ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕርኡ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።
14. ኩሉ ዕድመ ቃይናን ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ።
15. መሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገብረ፡ ንያሬድ ድማ ወለደ።
16. መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።
17. ኩሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ።
18. ያሬድ ክኣ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ንሄኖክ ድማ ወለደ።
19. ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።
20. ኩሉ ዕድመ ያሬድ ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ።
21. ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገብረ ንማቱሳላ ኽኣ ወለደ።
22. ሄኖክ ማቱሳላ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።
23. ኩሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ።
24. ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣምላኽ ወሲድዎ ኢዩ እሞ ኣይተራእየን።
25. ማቱሳላ ስማ ሚእትን ሰማንያን ሾብዓተን ዓመት ገብረ፡ ንላሜክ ከኣ ወለደ።
26. ማቱስላ ንላሜክ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾብዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልደን ከኣ ወለደ።
27. ኩሉ ዕድመ ማቱስላ ኽኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ።
28. ላሜክ ከኣ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ወዲ ድማ ወለደ።
29. ኣብዚ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና ኢዩ፡ ኢሉ ስሙ ኖህ ኣውጽኣሉ።
30. ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ ኽኣ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ኦኣመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።
31. ኩሉ ዕድመ ላሜክ ከኣ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሾብዓተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ።
32. ኖህ ክኣ ወዲ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኮነ፡ ኖህ ድማ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።

  Genesis (5/50)