| ← Genesis (48/50) → |
| 1. | ኮነ ድማ ድሕርዚ ነገርዚ ንዮሴፍ እንሆ ኣቦኻ ሓሚሙ በልዎ። ንሱ ኸኣኣ ንኽልቲኦም ደቁ፡ ንምናሴን ኤፍሬምን ምስኡ ወሰዶም። |
| 2. | ንያእቆብ ድማ እንሆ ወድኻ ዮሴፍ መጺኡካ ኢሎም ነገርዎ። እስርኤል ከኣ ተጋዲሉ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ። |
| 3. | ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ በሎ እቲ ኹሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንሉዝ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተራእየኒ ባረኸኒ ኸኣ፡ |
| 4. | እንሆ ኣነ ኽፍርየካን ከብዝሓካን ንብዙሕ ህዝብታት ከኣ ክገብረካ እየ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ በለኒ። |
| 5. | ሕጂ ኸኣ ኣቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ኸይመጻእኩኻ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ክልቲኦም ደቅኻ ነተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪኾኑ እዮም። |
| 6. | ብድሕሪኣኦም እትወልዶም ውሉድ ከኣ ንኣኻ ይኹኑ። ኣብቲ ርስቶም ብስም ኣሕዋቶም ይስመዩ። |
| 7. | ኣነ ድማ ካብ ጳዳን ምስ መጻእኩ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ንኤፍራታ ቕሩብ ምስ ተረፈትኒ ኣብ መገዲ ኸለኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መገዲ ኤፍራታ ኽኣ፡ ንሳ ቤትልሄም ኣቡኡ ቐበርክዋ። |
| 8. | እስራኤል ድማ ንደቂ ዮሴፍ ርእዩ፡ እዚኣቶም ኣንታዎት እዮም በለ። |
| 9. | ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ፡ እዚኣቶም ኣምላኽ ኣብዚ ዝሀበኒ ደቀይ እዮም በሎ። ንሱ ድማ ክምርኦምሲ በጃኻ ናባይ ኣቕርቦም በለ። |
| 10. | ኣዒንቲ እስራኤል ከኣ ካብ እርግና ኣተላዕለ ለቑተን ነበራ እሞ ኪርኢ ኣይከኣለን። ናብኡ ድማ ኣቕረቦም ንሱ ኸኣ ሰዐሞም ሓቖፎምውን። |
| 11. | እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ገጽካ ኣርኢ ኢለ ኣይሓስበኩን ነይረ፡ ኣምላኽ ከኣ እንሆ፡ ንዘርእኻ ድማ ኣርኣየኒ በሎ። |
| 12. | ዮሴፍ ከኣ ካብ ኣብራኹ ኣግልስ ኣቢልዎም ብገጹ ናብ ምድሪ ወሲዱ፡ ንኤፍሬም ብየመኑ ናብ ጸጋም እስራኤል፡ ንምናሴ ኸኣ ብጸጋሙ ናብ የማን እስራኤል ገይሩ ናብኡ ኣቕረቦም። |
| 13. | እስራኤል ድማ ምናሴ በኺሩ ነበረ እሞ ኣእዳው ኣመሓሊፋ የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ንሱ ኸኣ እቲ ንእሽቶ፡ ጸገመይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። |
| 14. | እስራኤል ድማ ምናሴ በኺሩ ነበረ እሞ ኣእዳው ኣመሓሊፋ የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ንሱ ኸኣ እቲ ንእሽቶ፡ ጸገመይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። |
| 15. | ንዮሴፍ ከኣ፡ እቲ ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣብ ቅድሚኡ ኣተመላለሱ ኣምላኽ፡ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ። |
| 16. | እቲ ኻብ ኹሉ ክፋእ ዘድሓነኒ መልኣኽ፡ ንሱ ነዞም ደቂ እዚኣኦም ይባርኽ። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣባታቶም ይጽዋዕ። ኣብ ማእከል ምድሪ ንምብዛሕ ድማ ይሰስኑ። |
| 17. | ዮሴፍ ከኣ ኣቡኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘነብረ ምስ ረአየ፡ ጎሀየ እሞ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኼሕልፋ ደልዩ፡ ኒድ ኣቦኡ ሐዛ። |
| 18. | ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፡ ኣቦየ ከኡ ኣይኮነን፡ እቲ በኹሪ እዚ እዩ እሞ የመነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር በሎ። |
| 19. | ኣቡኡ ግና ኣበየ ፈሊጠ ወደይ ፈሊጠ ኣሎኹ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኪኸውን እዩ ንሱ ድማ ዓብዩ ኪኸውን እዩ፡ ዘርኡውን ብዙሕ ህዝብታት ኪኸውን እዩ፡ ድማ በሎ። |
| 20. | በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም እስራኤል፡ ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ከም ምናሴን ይግበርካ፡ ኢሉ ብኣኻ ኺምረቕ እዩ። ንኤፍሬም ከኣ ቅድሚ ምናሴ ገበሮ። |
| 21. | እስርኤል ድማ ንዮሴፍ እንሆ ኣነ እመውት ኣሎኹ ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኪመልሰኩም እዩ። |
| 22. | ንኣኻ ድማ እታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሴፈይ ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፍሊ ሂበካ ኣሎኻ። |
| ← Genesis (48/50) → |