Genesis (48/50)  

1. ኮነ ድማ ድሕርዚ ነገርዚ ንዮሴፍ እንሆ ኣቦኻ ሓሚሙ በልዎ። ንሱ ኸኣኣ ንኽልቲኦም ደቁ፡ ንምናሴን ኤፍሬምን ምስኡ ወሰዶም።
2. ንያእቆብ ድማ እንሆ ወድኻ ዮሴፍ መጺኡካ ኢሎም ነገርዎ። እስርኤል ከኣ ተጋዲሉ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ።
3. ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ በሎ እቲ ኹሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንሉዝ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተራእየኒ ባረኸኒ ኸኣ፡
4. እንሆ ኣነ ኽፍርየካን ከብዝሓካን ንብዙሕ ህዝብታት ከኣ ክገብረካ እየ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ በለኒ።
5. ሕጂ ኸኣ ኣቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ኸይመጻእኩኻ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ክልቲኦም ደቅኻ ነተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪኾኑ እዮም።
6. ብድሕሪኣኦም እትወልዶም ውሉድ ከኣ ንኣኻ ይኹኑ። ኣብቲ ርስቶም ብስም ኣሕዋቶም ይስመዩ።
7. ኣነ ድማ ካብ ጳዳን ምስ መጻእኩ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ንኤፍራታ ቕሩብ ምስ ተረፈትኒ ኣብ መገዲ ኸለኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መገዲ ኤፍራታ ኽኣ፡ ንሳ ቤትልሄም ኣቡኡ ቐበርክዋ።
8. እስራኤል ድማ ንደቂ ዮሴፍ ርእዩ፡ እዚኣቶም ኣንታዎት እዮም በለ።
9. ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ፡ እዚኣቶም ኣምላኽ ኣብዚ ዝሀበኒ ደቀይ እዮም በሎ። ንሱ ድማ ክምርኦምሲ በጃኻ ናባይ ኣቕርቦም በለ።
10. ኣዒንቲ እስራኤል ከኣ ካብ እርግና ኣተላዕለ ለቑተን ነበራ እሞ ኪርኢ ኣይከኣለን። ናብኡ ድማ ኣቕረቦም ንሱ ኸኣ ሰዐሞም ሓቖፎምውን።
11. እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ገጽካ ኣርኢ ኢለ ኣይሓስበኩን ነይረ፡ ኣምላኽ ከኣ እንሆ፡ ንዘርእኻ ድማ ኣርኣየኒ በሎ።
12. ዮሴፍ ከኣ ካብ ኣብራኹ ኣግልስ ኣቢልዎም ብገጹ ናብ ምድሪ ወሲዱ፡ ንኤፍሬም ብየመኑ ናብ ጸጋም እስራኤል፡ ንምናሴ ኸኣ ብጸጋሙ ናብ የማን እስራኤል ገይሩ ናብኡ ኣቕረቦም።
13. እስራኤል ድማ ምናሴ በኺሩ ነበረ እሞ ኣእዳው ኣመሓሊፋ የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ንሱ ኸኣ እቲ ንእሽቶ፡ ጸገመይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ።
14. እስራኤል ድማ ምናሴ በኺሩ ነበረ እሞ ኣእዳው ኣመሓሊፋ የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ንሱ ኸኣ እቲ ንእሽቶ፡ ጸገመይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ።
15. ንዮሴፍ ከኣ፡ እቲ ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣብ ቅድሚኡ ኣተመላለሱ ኣምላኽ፡ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ።
16. እቲ ኻብ ኹሉ ክፋእ ዘድሓነኒ መልኣኽ፡ ንሱ ነዞም ደቂ እዚኣኦም ይባርኽ። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣባታቶም ይጽዋዕ። ኣብ ማእከል ምድሪ ንምብዛሕ ድማ ይሰስኑ።
17. ዮሴፍ ከኣ ኣቡኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘነብረ ምስ ረአየ፡ ጎሀየ እሞ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኼሕልፋ ደልዩ፡ ኒድ ኣቦኡ ሐዛ።
18. ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፡ ኣቦየ ከኡ ኣይኮነን፡ እቲ በኹሪ እዚ እዩ እሞ የመነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር በሎ።
19. ኣቡኡ ግና ኣበየ ፈሊጠ ወደይ ፈሊጠ ኣሎኹ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኪኸውን እዩ ንሱ ድማ ዓብዩ ኪኸውን እዩ፡ ዘርኡውን ብዙሕ ህዝብታት ኪኸውን እዩ፡ ድማ በሎ።
20. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም እስራኤል፡ ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ከም ምናሴን ይግበርካ፡ ኢሉ ብኣኻ ኺምረቕ እዩ። ንኤፍሬም ከኣ ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።
21. እስርኤል ድማ ንዮሴፍ እንሆ ኣነ እመውት ኣሎኹ ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኪመልሰኩም እዩ።
22. ንኣኻ ድማ እታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሴፈይ ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፍሊ ሂበካ ኣሎኻ።

  Genesis (48/50)