Genesis (46/50)  

1. እስራኤል ድማ ምስ ኩሉ ዘለዎ ነቐለ። ናብ ብኤርሸባዕ ምስ በጽሔ፡ ኣቡኡ ንኣምላኽ ኣቡኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ።
2. ኣምላኽ ድማ ንእስራኤል ብራእይ ለይቲ ያእቆብ ያእቆብ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ እኔኹ በለ።
3. ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ እየ። ኣብኡ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ምውራድ ኣይትፍራህ።
4. ኣነ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ እሞ ናብ ግብጺ ምውራድ እየ ብርግጽ ድማ ኣነ ኽደይበካ እየ። ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ ድማ በለ።
5. ያእቆብ ድማ ካብ ብኤርሸባዕ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ከኣ ነቦኦም ያእቆብ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣብቲ ኽመጸሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣደይቡ።
6. ያእቆብ ኩሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ፡ ማሎምን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ወሲዶም፡ ናብ ግብጺ መጹ።
7. ንደቁን ደቂ ደቁን ነዋልዱን ደቁን ንኹሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽኤ።
8. እቶም ናብ ግብጺ ዝኣተው ደቂ እስራኤል ያእቆብ ደቁን ስሞም እዚ እዩ፡ በኹሪ ያእቆብ ሮቤል።
9. ደቂ ሮቤል ድማ ሄኖክን ፋሉን ሄስሮንን ካርሚን።
10. ደቂ ስምኦን ከኣ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርንሻኡል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን።
11. ደቂ ሌዌ ኸኣ ገርሶንን ቀሓትን መራሪን።
12. ደቂ ይሁዳ ድማ ዔርን ኦናንን ሼላን ፈሬስን ዜራሕን። ዔርን ኦናንን ሴላን ፋሬስን ዜራሕን። ዔርን ኦራንን ግና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ ድማ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም።
13. ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ቶላዕን ፋዋህን ዮብን ሽምሮንን።
14. ደቂ ዛብሎን ድማ ሰሬድን ኤሎንን ያሕኤልን።
15. እዚኣቶም ንያእቆብ ኣብ ጳዳንኣራም ዝወለደትሉ ደቂ ልያ እዮም። ዲና ድማ ጓሉ። ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኩሎም ሰላሳን ሰለስተን ነፍሲ።
16. ደቂ ጋድ፡ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጾቦንን ዔሪን ኦሮዲን ኣርኤሊን።
17. ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ዮምናን ዮሽዋን በሪዓን ሴራሕ ሓብቶምን። ደቂ በሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን።
18. እዚኣቶም ደቂ ዚልጳ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሀባ እዮም። እዞም ዓሰርተው ሹድሽተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ።
19. ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ ዮሴፍን ብንያምን።
20. ንዮሴፍ ከኣ ኣብ ሀግር ግብጺ እተውለደትሉ ኣሰናት ጋል ጳጥፌራ ካህን ኦን ዝወለደትሉ፡ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም። ደቂ ብንያም ድማ ቤላዕን ቤከርን ኣሼቤልን ጌራን ናዓማንን ኤሒንሮሽን ሙጲምን ሑጲምን ኣርድን።
21. እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኩሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም።
22. እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኩሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም።
23. ደቂ ዳን ድማ ሑሼም።
24. ደቂ ንፍታሌም ከኣ የሕጽኤልን ጉኒን የጸርን ሲሌምን።
25. እዚኣቶም ደቂ ቢልሃ፡ እታ ላባን ንራሄል ጋሉ ዝሀባ እዮም። እዚኣቶም ኩሎም ሾብዓተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ።
26. እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብጺ ዝኣተው ነፍሳት፡ ካብ ሕቑኡ ዝወጹ ብጀካ እንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ ኩሎም ስሳን ሹድሹተን ነፍሲ ነበሩ።
27. ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ንነፍሲ ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝኣተው ኹሎም ነፍሳት ቤት ያእቆብ ሰብዓ ነበሩ።
28. ንሱ ቀቅድሚኦም ና ጎሴን ምእንቲ ኺመርሕ ድማ፡ ንይሁዳ ቀቅድሚኡ ናብ ዮሴፍ ሰደዶ። ናብ ምድሪ ጎሴን ከኣ ኣተው።
29. ዮሴፍ ድማ ሰረገላኡ ኣጽዒኑ ነቦኡ እስራኤል ኪረክብ ናብ ጌሸን ደየበ። ምስ ተራእዮ ኸኣ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ ኣብ ክሳዱ ነዊሕ ግዜ በኸየ።
30. እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ገና ብህይወት ከም ዘሎኻ ገጽካ ኻብ ርኤኹ ሕጅስ እሙት በሎ።
31. ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱን ንቤት ኣቡኡን በሎም፡ ናብፈርኡን ደይበ ኽነግሮ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝነብሩ ኣሕዋተይን ቤት ኣቦይን ናብይ መጺኦም ኣለው።
32. እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰብ ማል እዮም ኣሞ ጓሶት ኣባጊዕ እዮም። ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኩሉ ዘለዎም ድማ ኣምጺኦም ኣለው።
33. ኪኸውን ድማ እዩ ፈራኦን ጸዊዑ ተግባርኩም እንታይ እዩ፡ ምስ ዚብለኩም።
34. ጓሳ ዘበለ ግብጻውያን ጽዩፍ እዩ እሞ ኣብ ምድሪ ጌሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስ ገላውኻ ንሕናን ኣቦታትናን ድማ ካብ ንእስነትናን ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢና፡ በሉ።

  Genesis (46/50)