| ← Genesis (46/50) → |
| 1. | እስራኤል ድማ ምስ ኩሉ ዘለዎ ነቐለ። ናብ ብኤርሸባዕ ምስ በጽሔ፡ ኣቡኡ ንኣምላኽ ኣቡኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ። |
| 2. | ኣምላኽ ድማ ንእስራኤል ብራእይ ለይቲ ያእቆብ ያእቆብ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ እኔኹ በለ። |
| 3. | ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ እየ። ኣብኡ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ምውራድ ኣይትፍራህ። |
| 4. | ኣነ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ እሞ ናብ ግብጺ ምውራድ እየ ብርግጽ ድማ ኣነ ኽደይበካ እየ። ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ ድማ በለ። |
| 5. | ያእቆብ ድማ ካብ ብኤርሸባዕ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ከኣ ነቦኦም ያእቆብ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣብቲ ኽመጸሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣደይቡ። |
| 6. | ያእቆብ ኩሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ፡ ማሎምን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ወሲዶም፡ ናብ ግብጺ መጹ። |
| 7. | ንደቁን ደቂ ደቁን ነዋልዱን ደቁን ንኹሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽኤ። |
| 8. | እቶም ናብ ግብጺ ዝኣተው ደቂ እስራኤል ያእቆብ ደቁን ስሞም እዚ እዩ፡ በኹሪ ያእቆብ ሮቤል። |
| 9. | ደቂ ሮቤል ድማ ሄኖክን ፋሉን ሄስሮንን ካርሚን። |
| 10. | ደቂ ስምኦን ከኣ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርንሻኡል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን። |
| 11. | ደቂ ሌዌ ኸኣ ገርሶንን ቀሓትን መራሪን። |
| 12. | ደቂ ይሁዳ ድማ ዔርን ኦናንን ሼላን ፈሬስን ዜራሕን። ዔርን ኦናንን ሴላን ፋሬስን ዜራሕን። ዔርን ኦራንን ግና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ ድማ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም። |
| 13. | ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ቶላዕን ፋዋህን ዮብን ሽምሮንን። |
| 14. | ደቂ ዛብሎን ድማ ሰሬድን ኤሎንን ያሕኤልን። |
| 15. | እዚኣቶም ንያእቆብ ኣብ ጳዳንኣራም ዝወለደትሉ ደቂ ልያ እዮም። ዲና ድማ ጓሉ። ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኩሎም ሰላሳን ሰለስተን ነፍሲ። |
| 16. | ደቂ ጋድ፡ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጾቦንን ዔሪን ኦሮዲን ኣርኤሊን። |
| 17. | ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ዮምናን ዮሽዋን በሪዓን ሴራሕ ሓብቶምን። ደቂ በሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን። |
| 18. | እዚኣቶም ደቂ ዚልጳ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሀባ እዮም። እዞም ዓሰርተው ሹድሽተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ። |
| 19. | ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ ዮሴፍን ብንያምን። |
| 20. | ንዮሴፍ ከኣ ኣብ ሀግር ግብጺ እተውለደትሉ ኣሰናት ጋል ጳጥፌራ ካህን ኦን ዝወለደትሉ፡ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም። ደቂ ብንያም ድማ ቤላዕን ቤከርን ኣሼቤልን ጌራን ናዓማንን ኤሒንሮሽን ሙጲምን ሑጲምን ኣርድን። |
| 21. | እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኩሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም። |
| 22. | እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኩሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም። |
| 23. | ደቂ ዳን ድማ ሑሼም። |
| 24. | ደቂ ንፍታሌም ከኣ የሕጽኤልን ጉኒን የጸርን ሲሌምን። |
| 25. | እዚኣቶም ደቂ ቢልሃ፡ እታ ላባን ንራሄል ጋሉ ዝሀባ እዮም። እዚኣቶም ኩሎም ሾብዓተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ። |
| 26. | እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብጺ ዝኣተው ነፍሳት፡ ካብ ሕቑኡ ዝወጹ ብጀካ እንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ ኩሎም ስሳን ሹድሹተን ነፍሲ ነበሩ። |
| 27. | ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ንነፍሲ ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝኣተው ኹሎም ነፍሳት ቤት ያእቆብ ሰብዓ ነበሩ። |
| 28. | ንሱ ቀቅድሚኦም ና ጎሴን ምእንቲ ኺመርሕ ድማ፡ ንይሁዳ ቀቅድሚኡ ናብ ዮሴፍ ሰደዶ። ናብ ምድሪ ጎሴን ከኣ ኣተው። |
| 29. | ዮሴፍ ድማ ሰረገላኡ ኣጽዒኑ ነቦኡ እስራኤል ኪረክብ ናብ ጌሸን ደየበ። ምስ ተራእዮ ኸኣ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ ኣብ ክሳዱ ነዊሕ ግዜ በኸየ። |
| 30. | እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ገና ብህይወት ከም ዘሎኻ ገጽካ ኻብ ርኤኹ ሕጅስ እሙት በሎ። |
| 31. | ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱን ንቤት ኣቡኡን በሎም፡ ናብፈርኡን ደይበ ኽነግሮ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝነብሩ ኣሕዋተይን ቤት ኣቦይን ናብይ መጺኦም ኣለው። |
| 32. | እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰብ ማል እዮም ኣሞ ጓሶት ኣባጊዕ እዮም። ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኩሉ ዘለዎም ድማ ኣምጺኦም ኣለው። |
| 33. | ኪኸውን ድማ እዩ ፈራኦን ጸዊዑ ተግባርኩም እንታይ እዩ፡ ምስ ዚብለኩም። |
| 34. | ጓሳ ዘበለ ግብጻውያን ጽዩፍ እዩ እሞ ኣብ ምድሪ ጌሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስ ገላውኻ ንሕናን ኣቦታትናን ድማ ካብ ንእስነትናን ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢና፡ በሉ። |
| ← Genesis (46/50) → |