Genesis (45/50)  

1. ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነብሩ ኹሎም ልቡ ኼህድእ ኣይከኣለን እሞ፡ ዓው ኢሉ፡ ኩሎም ሰብ ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ በለ። እቲ ነሕዋቱ ኺላለዮም ከሎ፡ ምስ ዮሴፍ ገለ ሰብ እኳ ኣይነበረን።
2. ቃሉ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፡ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ ቤት ፈርኦንውን ሰምዔ።
3. ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ ኣነ ዮሴፍ እየ፡ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ ኣሎ፡ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሰምበዱ እሞ ኪመልሱሉ ኣይከኣሉን።
4. ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ፡ በጃኹም ናባይ ቅረቡ በሎም። ቀረቡ ድማ። በለ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።
5. ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጉሀይ ኣይትጨነቑ።
6. ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን ሕጂ ክልተ ዓመት ኮይኑ፡ ዘይሕረስንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ።
7. ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩም ብዓብዩ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕን፡ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ።
8. ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርኡንን ኣቡኡን ጐይታ ኹላ ቤቱን ገዛእ ኩላ ሃገር ግብጽን ገብረኒ።
9. ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎ፡ ዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኹላ ግብጺ ጐይታ ገብረኒ ናባይ ውረድ ኣይትደንጉይ።
10. ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕካን ኣሓኻን ዘሎካ ኹለን ኣብ ቀረባይ ክትከውን፡ ኣብ ምድሪ ጎሴን ክትቅመጥ ኢኻ።
11. ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ ንስኻን ቤትካን ኩሉ ዘሎካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፡ ኣብኡ ኽሓልየልካ እየ።
12. ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸኣ እንሆ ኣዒንትኹምን ዓይኒ ሓወይ ቢንያምን ይርእያ ኣለዋ።
13. እቲ ኹሉ ኽብረተይ ኣብ ግብጽን እቲ ዝርኤኹምዎ ኹሉን ነቦይ ንገርዎ። ነቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ።
14. ኣብ ክሳድ ሓው ብንያም ድማ ኣብ ክሳዱ በኸየ።
15. ንኹሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዐሞም። ድሕርዚ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ።
16. ኣብ ቤት ፈርኦን ከኣ ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦም ዚብል ወረ ተሰምዔ። እዚውን ንፈርኦንን ንገላውኡን ባህ ኣበሎም።
17. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ በሎ ነሕዋትካ ከምዚ ግበሩ በሎም። እንስሳኹም ጽዒንኩም ኪዱ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ እተው።
18. ኣቦኹምን ስድራቤትኩምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምጹ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ኽህበኩም እየ ስብሒ እዛ ምድሪውን ክትበልዑ ኢኹም።
19. እዚ ኽትገብሩ እእዝዘካ ኣሎኹ። ንሕጻናትኩምን ንንስትኹምን ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብጺ ውሰዱ እሞ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ውጹ።
20. እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ኹሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ እቓሑኹም ርኢኹም ኣይትጉሀዩ።
21. ደቂ እስራኤል ከኣ ከምኡ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ከምቲ ትእዛዝ ፈራኦን ሰረገላታት ሀቦም፡ ነምገዲ ኸኣ ስንቂ ሀቦም።
22. ንነፍሲ ወከፎም ኩሎም ድማ ዚለዋወጥ ክዳውንቲ ሀቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓሙሽተ ዚለዋወጥ ክዳውንትን ሀቦ።
23. ነቦኡ ድማ ካብ ናይ ዘዝጸበቐ ነገር ግብጺ ጽዕነት ዓሰርተ ኣድጊ፡ ነቦኡ ነመገዲ ዚኾኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ካልእ ብልዕን ጽዕነት ዓሰረት ኣንስተይቲ ኣድጊ ኸምዚ ገይሩ ሰደድሉ።
24. ነሕዋቱ ድማ ኣብ መገዲ ኣይትበኣሱ ኢሉ ሰደዶም ከዱ ኸኣ።
25. ካብ ግብጺ ደይቦም ከኣ ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ።
26. ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፡ ንኹላ ሃገር ግብጺ ዚገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንሱ ግና ኣይኣመኖምን እሞ ልቡ ደንጸወ።
27. እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኩሉ ዘረባ ድማ ነገርዎ እቲ ኽመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ምስ ረኣየ ኸኣ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሓደሰ።
28. እስራኤል ድማ ወደይ ዮሴፍስ ገና ብህይወቱ ኣሎ ደጊም ይኣኽለኒ፡ ከይሞትኩ ደኣ ኸይደ ኽርእዮ በለ።

  Genesis (45/50)