Genesis (44/50)  

1. ንኣዛዝ ቤቱ ድማ ንዓይብቲ እዞም ሰባት ኪወስድዎ ኸም ዚኽእሉ ጌርካ እኽሊ ምልኣሎም። ገንዘብ ነፍስ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ዐዕይበቱ ኣንብር።
2. ነታ ጽዋኤይ ድማ፡ እታ ጽዋእ ብሩር፡ ምስቲ ገንዘብ እኽሉ ጌርካ ናብ ኣፍ ዓይበት እቲ ንእሽቶ ግበራ ኢሉ ኣዘዞ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ቓል ከኣ ገበረ።
3. ንግሆ ምስ በርሄ ነቶም ሰባት ምስ ኣእዱጎም ይኺዱ ሓድግዎም።
4. ንሳቶም ካብ ከተማ ወጺኦም ገና ኸይረሓቑ ዮሴፍ ንኣዛዝ ቤቱ በሎ ተንስእ ደድሕሪ እዞብ ሰባት ስዐብ እሞ፡ ምስ ኣርከብካዮም ከምይ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ ፈዴኹም፡
5. እታ ጐይታይ ዚሰትየላ ብእኣ ድማ ምስጢር ዚፈልጠላን ጽዋእ እዚኣዶ ኣይኮነትን፡ እዚ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም በሎም።
6. ንሱ ኽኣ ኣርከቦም እዚ ነገርዚ ድማ ተዛረቦም።
7. ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ስለምንታይ ከምዚ ኢልካ ትዛረብ፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻብ ገላውኻ የርሕቆ፡
8. እቲ ኣብ ኣብ ዓያብትና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ እንሆ ካብ ምድሪ ኸነኣን መሊስናልካ። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ።
9. ካብ ገላውኻ እቲ እተረኽበቶ ይሙት፡ ንሕና ኸኣ ባሮት ጐይታ ንኹን በልዎ።
10. ንሱ ኸኣ ሕጂ ኸም ዝበልክምዎ ይኹን። እቲ እተረኽበቶ፡ ንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ንጽሃት ኢኹም በለ።
11. ቀልጢፎም ከኣ ነፍ ወከፍ ዐዓበቶም ናብ ምድሪ ኣውረዱ፡ ነፍስ ወከፍ ድማ ዐይበቱ ኸፈተ።
12. ንሱ ኸኣኣ በቲ ዓብዩ ጀሚሩ በቲ ንእሽቶ ኽሳዕ ዚውድእ ጎርጎሮም፡ እታ ጽዋእ ድማ ኣብ ዓይበት ብንያም ተረኸበት።
13. ሽዑ ኽዳውንቶም ቀደዱ፡ ነፍስ ወከፍ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ናብ ከተማ ተመልሱ።
14. ይሁዳን ኣሕዋቱን ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ኣተው። ንሱ ገና ኣብኣ ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ናብ ምድሪ ተደፍኡ።
15. ዮሴፍ ከኣ እዚ ዝገበርኩምዎ እንታይ ግበሩ እዩ፡ ከማይ ዝበለ ሰብ ፈላጢ ኸም ዝኾነስ ኣይትፈልጡንዶ፡ በሎም።
16. ይሁዳ ድማ ፡ ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብል ኢና፡ እንታይስ ክንዛረብ፡ ከመይ ጌርናኸ ርእስና ኸነጽድቕ፡ ኣምላኽ በደል ባሮትካ ረኸበ፡ እኔና ንሕናን እቲ ኣብ ኢድ ጽዋእ እተረኽበቶን ባሮት ጎያትይ ኢና፡ በለ።
17. ንሱ ግና ከምዚ ዝበለ ምግባርሲ ኻያ የርሕቕ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶ ሰብኣይ ንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ናብ ኣቦኹም ብሰላም ደይቡ በለ።
18. ሽዑ ይሁዳ ናብኡ ቐሪቡ በለ፡ በል ጎያትይ ጊልያኻ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ኸም ፈርኦን ኢኻ እሞ፡ ኩራኻ ኣብ ጊልያኻ ኣይንደድ።
19. ጐይታይ ንገላውኡ፡ ኣቦ ወይ ሓውከ ኣሎኩምዶ፡ ኢሉ ሓተቶም።
20. ንሕና ኽኣ ጐይታይ፡ ኣረጊት ኣቦ ኣሎና፡ ኣብ እርግናኡ ዝወለዶ ንእሽቶ ቖልዓ ድማ ሓው ኸኣ ሞይቱ፡ እዚ ድማ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉ፡ ኣቦኡ ኸኣኣ ይፈትዎ እዩ በልናካ።
21. ሽዑኡ ንስኻ ንገላውኻ ዓይነይ ክርእቱ ናባይ ኣውርድዎ በልካና።
22. ንሕና ድማ ንጎያትይ እቲ ወዲ ነቦኡ ኺሕድጎ ኣይክእልን፡ ነቦኡ እንተ ሓደጎስ፡ ኣቦኡ ኺመውት እዩ፡ በልናዮ።
23. ንገላውኻ ድማ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይወረደ ደጊም ገጸይ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ በልካና።
24. ኮነ ኸኣ ንሕና ጊልያኻ ኣቦይ ምስ ደየበና፡ ዘረባ ጎያትይ ነገርናዮ።
25. ኣቦና ድማ ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልና በለ።
26. ንሕና ኸኣ ክንወርድ ኣይንኽእልን። እዚ ንእሽቶ ሓውና ምሳና እንተሎ ግና ንወርድ በልና።
27. ኣቦይ ጊልያኻ ድማ ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
28. እቲ ሓደ ኻባይ ወጸ፡ ኣነ ኸኣኣ ብሓቂ ተበሊዑ እዩ በልኩ ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣይርኤኽውን።
29. ነዚ ኸኣ ካብ ቅድመይ እንተ ወሰድኩምዎ እሞ ድንገት እንተ ረኸቦ፡ ንሽበተይ ንጓሂ ናብ ሽኦል ከተውርድዎ ኢኹም በለና።
30. ሕጂ ኸኣ ኣነ ናብ ኣቦይ ጊልያኻ እንተ መጻእኩ እሞ እዚ ወዲ ምሳይ እንተ ዘየሎ፡ ነፍሱ ምስ ነፍሲ ወዱ ስለ እተጠበቐት።
31. ኪኸውን ድማ እቱ እዚ ወዲ ኸም ዘየሎ እንተ ረኣየ ኺመውት እዩ። ገላውኻ ኸኣ ንሸበት ኣቦና ጊልያኻ ብጓሂ ናብ ሽኦል የውርዱ።
32. ጊልያኻ ነዛ ወዲ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ ብኹሉ ዘበነ ነቦይ ሓጢኣት ከም ዝገብርኩ እኽወን። ኢሉ ተዋሒስዎ እዩ።
33. ሕጂ ድማ ጊልያኻ ኣብ ክንዲ እዚ ወዲ ንጎያትይ ባርያ ኾይኑ ኪቕመጥ ይደይብ።
34. እዚ ወዲ ምሳይ ካብ ዝይህሉስ ከምይ ኢለ ደኣ ናብ ኣቦይ ክድይብ እየ፡ እቲ ነቦይ ዚረኸቦ ኽፋእሲ ኣየርእየኒ።

  Genesis (44/50)