Genesis (43/50)  

1. እቲ ጥሜት ከኣ ኣብታ ሃገር በርትዔ።
2. ኮነ ድማ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘምጽእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ኣቦኦም ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሽምቱልና በሎም።
3. ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ ኣሕሚሙ፡ ሓውኩ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም በለና።
4. ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዃንካ፡ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና።
5. ዘይትሰዶ እንተ ዃንካ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ፡ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም ኢሉና እዩ እሞ፡ ኣይንወርድን ኢና በሎ።
6. እስራኤል ከኣ፡ ስለምንታይ ነቲ ሰባይ ገና ሓደ ሓው ኣሎና ኢልኩሞ ብምንጋርኩም ኣኽፋእኩምለይ በለ።
7. ንሳቶም ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን ኣቦኹም ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ፡ ካልእ ሓውካ ኣሎኩምዶ፡ ኢሉ ኣጸቢቑ ሓተተና። ንሕና ኸኣ ከምቲ ዚብለናዶ ፈሊጥና ኔርና በሉ።
8. ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል ንሕናን ንስኻን ሕጻናትናን ክንነብር እምበር ከይንመውት ተንሲእና ኽንከይድሲ ነዚ መንእሰይ ምሳይ ስደዶ።
9. ኣነ እውሓሶ ካብ ኢደይ ድለዮ። ናባኻ ኣምጼኤል ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየበልክዎ፡ ብኹሉ ዘበን ንኣኻ ሓጢኣት ከም ዝገብርኩም እኹን።
10. ክሳዕ ሕጂ እንተ ዘይንድንጉስ፡ ኤረ ኻልኣይ እዋን እኳ ተመሊስና መሀሎና ኔርና በሎ።
11. ሽዑ ኣቦኦም እስራኤል እዚ እንተ ደኣ ኾይኑስ ከምዚ ግበሩ፡ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ጸጽቡቑ ኣብ ዓይብትኹም ውሰዱ፡ ነቲ ሰብኣይ ዚኸውን ገጽ በረኸት፡ ሒደት ቀመም ሒደት መዓር፡ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ።
12. ገንዘብ ድማ ካዕበት ጌርኩም ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ እቲ ኣብ ኣፍ ዓይብትኹም ኣተመልሰ ገንዘብ ከኣ ምናልባሽ ናይ ጌጋ ኸይከውን ቢድኩም ምለስዎ።
13. ንሓውኹምውን ውሰድዎ ተንሲእኩም ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ።
14. ነቲ ሓደ ሓውኹምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺሰዶም እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሀብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፡ ውሉድ እስእን በሎም።
15. እቶም ሰብ ድማ ነጺ ገጽ በረኸት እዚ ወሰዱ፡ ዕድፊ ገንዘብ ከኣ ኣብ ኢዶም ንብንያምውን ሒዞም ተንስኡ፡ ናብ ግብጺ ወሪዶም ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ።
16. ዮሴፍ ከኣ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረኣኣዮ፡ ንኣዛዝ ቤቱ፡ እዞም ሰባት ናብ ቤተይ ኣእትዎም፡ ሕሩድ ሐሪድኩምውን ኣዳሉ በሎ።
17. እቲ ሰብኣይ ድማ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእተዎ።
18. እቶም ሰባት ድማ፡ ናብ ቤት ዮሴፍ ስለ ዘእተውዎም ፈርሁ፡ ብዛዕባ እቲ በታ ቐዳመይቲ ጊዜ ኣብ ዓይብትና እተመልሰ ገንዘብ እዩ ንኣና ኣብዚ ዘእተወና፡ ጎይዩ ሓደጋ ኺወድቀና እሞ ባሮት ክንከውን፡ ንኣናን ነእዱግናን ኪወስድ ኣዩ፡ ከኣ በሉ።
19. ናብቲ ሰባይ ኣዛዝ ቤት ዮሴፍ ቀሪቦም ድማ ኣብ ደገ ቤት ምስኡ ተዛረቡ፡
20. በል ጐይታይ ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት ወሪድና ነበርና።
21. ኮነ ኸኣ ኣብ መሕደሪ ምስ በጻሕና፡ ዓይብትና ኸፈትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ገንዘብ ነፍስ ወከፍ ከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ዐዐይበቱ ነበረ፡ ኣብ ኢድና ኸኣ መሊስናዮ ኣሎና።
22. እቲ ገንዘብ ድማ ናብ ዓይብትና መን ከም ዘእተዎ ኣይንፈልጥን፡ ካልእ ገንዘብውን መሸመት እኽሊ ዝኸውን ኣብ ኢድና ኣምጺእና ኣሎና በሉ።
23. ንሱ ድማ ኣጆኹም ኣይትፍርሁ። ኣብ ዓይብትኹም መዝገብ ዝሀብኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦኹምን እዩ፡ ገንዘብኩምሲ ኣትዩኒ ኣዩ በለ። ንስምኦን ከኣ ናባታቶም ኣውጽኦ።
24. እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእትዩ ኣእጋሮም ኪሕጸቡ ማይ ሀቦም፡ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሀበን።
25. ኣብኡ ኸም ዝምስሑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ፡ ቆሴፍ ቀትሪ ኽሳዕ ዚመጽእ ነቲ ገጽ በረኸት ኣዳለውዎ።
26. ዮሴፍ ናብ ቤት ምስ መጸ፡ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገጸ በረኸት ናብ ቤት ኣምጽኣሉ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከኣ ሰገዱሉ።
27. ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ሓተቶም እቲ ብዛዕባኡ እተዛረበኩምኒ ኣረጊት ኣቦኹምከ ደሓንዶ ኣሎ፡ ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ ከኣ በሎም።
28. ንሳቶም ድምስ ኣቦና ጊልያኻ ደሓን እዩ ብህይወት ኣሎ፡ በሉ፡ ድንን ኢሎም ድማ ሰገድሉ።
29. ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ንብንያም ሓው ወዲ ኣዲኡ ርእዩ ድማ እዝስ እቲ ብዛዕብኡ እተዛረበኩምኒ ንእሽቶ ሓውኩም ድዩ፡ በለ። ወደይ እግዚኣብሄር ሞገስ ይሀብካ፡ ከኣ በሎ።
30. ዮሴፍ ድማ ብዛዕባ ሓው ኣምዑቱ ትኹስኩስ ኢልዎ ተሀወኸ፡ ዚበኽየሉ ስፍራ ደልዩ ናብ ሕልፍኝኡ ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ በኸየ።
31. ገጹ ተሓጺቡ ወጸ፡ ልቡ ቐጥ ኣቢሉ ኸኣ፡ እንጌራ ኣቕርቡ፡ በለ።
32. ሽዑ ንእኡ ነበይኑ፡ ንኣኣቶም ድማ ንበይኖም ነቶም ምስኡ ዚበልዑ ግብጻውያን ከኣ ንበይኖም ኣቕረብሎም፡ ንግብጻውያን ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ ነውሪ እዩ ኣሞ ስለዚ ግብጻውያን ምስኦም ኪበልዑ ኣይኽእሉን፡ እዮም።
33. እቲ በኹሪ ኸም ብኹርናኡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ከም ምንኣሱ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ። እቶም ሰባት ድማ ንሓድሕዶም ተደነቑ።
34. ካብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ መብልዕ ከኣ ግዲኦም ኣቕረበሎም። ንብንያም ድማ ሓላፈ ገደ ኾሎም ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረበሉ። ሰትዮም ድማ ምስኡ ተሓጎሱ።

  Genesis (43/50)