← Genesis (42/50) → |
1. | ያእቆብ ድማ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ረአየ እሞ፡ ያእቆብ ንደቁ ስለምንታይ ንሓድሕድኩም እትርአኣዩ በሎም። |
2. | እንሆ እኽሊ ኣብ ግብጺ ኸም ዚርከብ ሰምዔ፡ ክንድሕንን ከይንመውትን ከኣ ናብኣ ወሪድኩም፡ ካብኣ ሸምቱልና፡ በሎም። |
3. | እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ከኣ እኽሊ ኪሽምቱ ናብ ግብጺ ወረዱ። |
4. | ንብንያው ሓው ዮሴፍ ግና ገለ ድንገት ከይረኽቦ ኢሉ ያእቆብ፡ ያእቆብ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን። |
5. | ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ መንጎ እቶም ዝመጹ ኾይኖም እኽሊ ኺሽምቱ መጹ። |
6. | ነታ ሃገር ዚእዝዛ ድማ ዮሴፍ ከኣ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መጹ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ። |
7. | ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ርእዩ አለለዮም፡ ንርእሱ ግና ጓና ኣምሰለሎሶም ኣበርቲዑ ድማ ተዛረቦም። ካብ ምድሪ ኸነኣን እክሊ ኽንሽምት፡ በሉ። |
8. | ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ኣለለዮም ንሳቶም ግና ኣየለልይዎን። |
9. | ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕብኦም ሐሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ ንስኻትኩም እዛ ሃገር ቃላዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም፡ ሰለይቲ ኢኹም፡ ከኣ በሎም። |
10. | ንሳቶም መለስሉ፡ ኣይፋልናን ጐይታይ ገላውኻስ ቀለብ ኪሽምቱ ደኣ መጹ፡ ድማ በልዎ። |
11. | ንሕና ኹልና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና ንሕና ቕኑዓት ኢና፡ ገላውኻ ሰለይቲ ኣይኮኑን። |
12. | ንሱ ድማ፡ ኣይፋልኩምን ኣዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ክትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም፡ በሎም። |
13. | ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ገላውኻ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት፡ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እንሆ ድማ እቲ ንእሽቶ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ የሎን፡ በሉ። |
14. | ዮሴፍ ድማ በሎም፡ እቲ ሰለይቲ ኢኹም ኢለ ዝበልኩኹም ንሱ እዩ። |
15. | በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም፡ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ናብዚ ኸይመጸ፡ ካብዚ ኸይትወጹ፡ ህይወት ፈርኦን እዩ። |
16. | ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ዜምጽእ ስደዱ፡ ንስኻትኩም ድማ ሓቂ እንተሎኩም፡ ዘረባኹም ኪፍተን ፡ ክትእሰሩ ኢኹም። እንተ ዝይኮነስ ብህይወት ፈርኦን ሰለይቲ ኢኹም። |
17. | ብሓደ ገይሩ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሜት ማእሰርቲ ኣሓለዎም። |
18. | ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ በሎም፡ ኣነ ኣምላኽ እፈርህ እየ እሞ፡ እዚ ግበሩ ትነብሩ ድማ። |
19. | ቅኑዕት እንተ ዃንኩምሲ፡ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነብርኩም ቤት ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኬድኩም እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ኣብጽሑ። |
20. | እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኣቲ ቓልኩም ከኣ ሓቂ ምዃኑ ይእመን፡ ኣይትሞቱን ድማ። ከምኡውን ገበሩ። |
21. | ንሓድሕዶም ከኣ፡ ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና እቲ ምሕረት ኪልምነና ኸሎ፡ ጸበባ ነፍሱ እናሬኤና ኣይሰማዕናዮን፡ ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና ተበሃሃሉ። |
22. | ሮቤል ከኣ፡ ኣብዚ ቖልዓ ኣይትበድሉ፡ ኢሉዶ ኣይበልኩኹምን፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን። ስለዚ ድማ እንሆ ደሙ ይደሊ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። |
23. | ኣስተርጓሚ ኣብ መንጎኦም ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ዮሴፍ ከም ዚሰምዖም ኣይፈለጡን ነበሩ። |
24. | ካባታቶም ኣግሊሱ ኸኣ በኸየ፡ ናባታቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም ንስምኦን ከኣ ካባታቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣሰሮ። |
25. | ዮሴፍ ድማ ነቲ ዓያብቶም እኽሊ ኺመልኣሎም፡ ንምገዲውን ስንቂ ኹህብዎም ኣዘዘ። ከምኡ ኸኣ ገብረሎም። |
26. | ኣብ መሕደሪ ድማ ሓደ ኻባታቶም ንኣድጉ ድርቋ ኺህብ፡ ዓይበቱ ኸፈተ እንሆ እቲ ገንዘቡ ኣብ ኣፍ ዓይበቱ ረኣየ። |
27. | ነሕዋቱ ኸኣ፡ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ እንሆ ኣብ ዓይነበተይ በሎም። ልቦም መሊቑዎም ራዕራዕ እናበሉ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ ተበሃሀሉ። |
28. | ነሕዋቱ ኸኣ፡ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ እንሆ ኣብ ዓይነበተይ በሎም። ልቦም መሊቑዎም ራዕራዕ እናበሉ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ ተበሃሀሉ። |
29. | ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ፡ ዝበጽሖም ኹሉ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ነገርዎ። |
30. | እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ኣበርቲዑ ተዛረበና፡ ከም ሰለይቲ እታ ሃገር ከኣ ገበረና። |
31. | ንሕና ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣቦና ኢና፡ እቲ ሓደ የሎን፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ኣሎ በልናዮ። |
32. | እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ፡ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ኾንኩም በዚ ኺፈልጥ እየ፡ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፡ እቲ ጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ። |
33. | እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ፡ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ኾንኩም በዚ ኺፈልጥ እየ፡ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፡ እቲ ጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ። |
34. | ነቲ ንእሽቶ ሓውኩም ከኣ ናባይ ኣምጽእዎ፡። ሽዑ ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር ሰለይቲ ኸም ዘይኮንኩም እፈልት፡ ሓውኩም ድማ ክህበኩም እየ፡ ኣብዛ ሀግርውን ትነግዱ በለና። |
35. | ኮነ ኸኣ ዓያበቶም ምስ ኣዕረቑ፡ እንሆ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ጥቕላል ገንዘቡ ኣብ ዐዓይበቱ ነበረ። ንሳቶም ኣቦኦምን ነቲ ጥቕሉል ገንዘቦም ምስ ረኣዩ ሰምበዱ። |
36. | ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ውሉድ ዜሎ ገበርኩምኒ። ዮሴፍ የሎን፡ ስምኦን ከኣ የሎን፡ ንብንያምዶ ድማ ኽትወስድዎ ኢኹም፡ እዚ ኹሉ ኣባይ ኮይኑ ኣሎ በሎም። |
37. | ሮቤል ከኣ ነቦኡ፡ ኣብ ኢደይ ሕድሪ ሃበኒ፡ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተል፡ ኢሉ ተዛረቦ። |
38. | ንሱ ኸኣ ሓው ሞይቱ፡ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፡ ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይወርድን። ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ጎድኣት እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ ሽኦል ተውርድዎ በለ። |
← Genesis (42/50) → |