Genesis (42/50)  

1. ያእቆብ ድማ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ረአየ እሞ፡ ያእቆብ ንደቁ ስለምንታይ ንሓድሕድኩም እትርአኣዩ በሎም።
2. እንሆ እኽሊ ኣብ ግብጺ ኸም ዚርከብ ሰምዔ፡ ክንድሕንን ከይንመውትን ከኣ ናብኣ ወሪድኩም፡ ካብኣ ሸምቱልና፡ በሎም።
3. እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ከኣ እኽሊ ኪሽምቱ ናብ ግብጺ ወረዱ።
4. ንብንያው ሓው ዮሴፍ ግና ገለ ድንገት ከይረኽቦ ኢሉ ያእቆብ፡ ያእቆብ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን።
5. ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ መንጎ እቶም ዝመጹ ኾይኖም እኽሊ ኺሽምቱ መጹ።
6. ነታ ሃገር ዚእዝዛ ድማ ዮሴፍ ከኣ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መጹ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።
7. ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ርእዩ አለለዮም፡ ንርእሱ ግና ጓና ኣምሰለሎሶም ኣበርቲዑ ድማ ተዛረቦም። ካብ ምድሪ ኸነኣን እክሊ ኽንሽምት፡ በሉ።
8. ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ኣለለዮም ንሳቶም ግና ኣየለልይዎን።
9. ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕብኦም ሐሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ ንስኻትኩም እዛ ሃገር ቃላዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም፡ ሰለይቲ ኢኹም፡ ከኣ በሎም።
10. ንሳቶም መለስሉ፡ ኣይፋልናን ጐይታይ ገላውኻስ ቀለብ ኪሽምቱ ደኣ መጹ፡ ድማ በልዎ።
11. ንሕና ኹልና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና ንሕና ቕኑዓት ኢና፡ ገላውኻ ሰለይቲ ኣይኮኑን።
12. ንሱ ድማ፡ ኣይፋልኩምን ኣዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ክትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም፡ በሎም።
13. ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ገላውኻ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት፡ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እንሆ ድማ እቲ ንእሽቶ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ የሎን፡ በሉ።
14. ዮሴፍ ድማ በሎም፡ እቲ ሰለይቲ ኢኹም ኢለ ዝበልኩኹም ንሱ እዩ።
15. በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም፡ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ናብዚ ኸይመጸ፡ ካብዚ ኸይትወጹ፡ ህይወት ፈርኦን እዩ።
16. ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ዜምጽእ ስደዱ፡ ንስኻትኩም ድማ ሓቂ እንተሎኩም፡ ዘረባኹም ኪፍተን ፡ ክትእሰሩ ኢኹም። እንተ ዝይኮነስ ብህይወት ፈርኦን ሰለይቲ ኢኹም።
17. ብሓደ ገይሩ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሜት ማእሰርቲ ኣሓለዎም።
18. ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ በሎም፡ ኣነ ኣምላኽ እፈርህ እየ እሞ፡ እዚ ግበሩ ትነብሩ ድማ።
19. ቅኑዕት እንተ ዃንኩምሲ፡ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነብርኩም ቤት ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኬድኩም እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ኣብጽሑ።
20. እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኣቲ ቓልኩም ከኣ ሓቂ ምዃኑ ይእመን፡ ኣይትሞቱን ድማ። ከምኡውን ገበሩ።
21. ንሓድሕዶም ከኣ፡ ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና እቲ ምሕረት ኪልምነና ኸሎ፡ ጸበባ ነፍሱ እናሬኤና ኣይሰማዕናዮን፡ ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና ተበሃሃሉ።
22. ሮቤል ከኣ፡ ኣብዚ ቖልዓ ኣይትበድሉ፡ ኢሉዶ ኣይበልኩኹምን፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን። ስለዚ ድማ እንሆ ደሙ ይደሊ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።
23. ኣስተርጓሚ ኣብ መንጎኦም ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ዮሴፍ ከም ዚሰምዖም ኣይፈለጡን ነበሩ።
24. ካባታቶም ኣግሊሱ ኸኣ በኸየ፡ ናባታቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም ንስምኦን ከኣ ካባታቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣሰሮ።
25. ዮሴፍ ድማ ነቲ ዓያብቶም እኽሊ ኺመልኣሎም፡ ንምገዲውን ስንቂ ኹህብዎም ኣዘዘ። ከምኡ ኸኣ ገብረሎም።
26. ኣብ መሕደሪ ድማ ሓደ ኻባታቶም ንኣድጉ ድርቋ ኺህብ፡ ዓይበቱ ኸፈተ እንሆ እቲ ገንዘቡ ኣብ ኣፍ ዓይበቱ ረኣየ።
27. ነሕዋቱ ኸኣ፡ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ እንሆ ኣብ ዓይነበተይ በሎም። ልቦም መሊቑዎም ራዕራዕ እናበሉ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ ተበሃሀሉ።
28. ነሕዋቱ ኸኣ፡ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ እንሆ ኣብ ዓይነበተይ በሎም። ልቦም መሊቑዎም ራዕራዕ እናበሉ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ ተበሃሀሉ።
29. ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ፡ ዝበጽሖም ኹሉ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ነገርዎ።
30. እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ኣበርቲዑ ተዛረበና፡ ከም ሰለይቲ እታ ሃገር ከኣ ገበረና።
31. ንሕና ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣቦና ኢና፡ እቲ ሓደ የሎን፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ኣሎ በልናዮ።
32. እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ፡ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ኾንኩም በዚ ኺፈልጥ እየ፡ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፡ እቲ ጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ።
33. እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ፡ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ኾንኩም በዚ ኺፈልጥ እየ፡ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፡ እቲ ጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ።
34. ነቲ ንእሽቶ ሓውኩም ከኣ ናባይ ኣምጽእዎ፡። ሽዑ ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር ሰለይቲ ኸም ዘይኮንኩም እፈልት፡ ሓውኩም ድማ ክህበኩም እየ፡ ኣብዛ ሀግርውን ትነግዱ በለና።
35. ኮነ ኸኣ ዓያበቶም ምስ ኣዕረቑ፡ እንሆ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ጥቕላል ገንዘቡ ኣብ ዐዓይበቱ ነበረ። ንሳቶም ኣቦኦምን ነቲ ጥቕሉል ገንዘቦም ምስ ረኣዩ ሰምበዱ።
36. ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ውሉድ ዜሎ ገበርኩምኒ። ዮሴፍ የሎን፡ ስምኦን ከኣ የሎን፡ ንብንያምዶ ድማ ኽትወስድዎ ኢኹም፡ እዚ ኹሉ ኣባይ ኮይኑ ኣሎ በሎም።
37. ሮቤል ከኣ ነቦኡ፡ ኣብ ኢደይ ሕድሪ ሃበኒ፡ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተል፡ ኢሉ ተዛረቦ።
38. ንሱ ኸኣ ሓው ሞይቱ፡ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፡ ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይወርድን። ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ጎድኣት እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ ሽኦል ተውርድዎ በለ።

  Genesis (42/50)