Genesis (41/50)  

1. ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ፈርኦን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣኣ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢሉ ነብረ።
2. እንሆ ድማ ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓት፡ ስጋኤን ከኣ ስቡሓት ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብቲ ሰልሰላ ኺበልዓ ረአየ።።
3. ደድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ካልኦት ሾብዓተ ንምርኣየን ክፉኣትን ስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት ኣብ ገምገም ርባ ደው በላ።
4. እተን ንምርኣየን ክፉኣት ስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ነተን ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትን ስቡሓትን ኣሓ ወሓጥኤን። ፈርኦን ድማ ተበራበረ።
5. ደቀሰ እሞ ካልኣይ ሳዕውን ሓለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ወጻ።
6. ድሕሪኤን ከኣ እንሆ ሾብዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጎጓ ሰዊት ወጻ።
7. እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሶብዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ሰዊት ወሐጥኤን። ፈርኦን ከኣ ተበራበረ፡ እንሆ ድማ ሕልሚ ነበረ።
8. ኮነ ድማ፡ ምስ ወግሔ፡ መንፈሱ ኣዕለበጠ፡ ሽዑ ልኢኹ ንኹሎም ጠቢባን ግብጽን ንኹሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮም። ንፈርኦን ዚፈትሃሉ ግና ኣይነበረን።
9. ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሚስ ንፈራኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ ዘከርኩ።
10. ፈርኦን ብገላውኡ ተቖጥዔ፡ ንኣይን ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከኣ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣእተወና።
11. ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሓለምና፡ በበይኑ ዝምፍታሑ ሓልሚ ሐለምና።
12. ኣብኡ ድማ እብራዊ ጎበዝ ባርያ ሓለቓ ዘብዔኛታት ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፡ ንሱ ኽኣ ሕልምታትና ፈትሓልና፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ሕልሙ ፈትሖ።
13. ኮነ ድማ ከምቲ ዝፈትሓልና ከምኡ ኾነ። ንኣና ናብ ኣሰላፍነተይ መለሰኒ፡ ነቲ ኸኣ ሰቐሎ።
14. ሽዑ ፈርኦን ልኢኹ ንዮሴፍ ጸውዖ። ቀልጢፎም ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንሱ ኸኣ ተላጽዩ ኽዳኑ ለዊጡ ኣብ ፈርኦን ኣተወ።
15. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ሓልሚ ሓሊመ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦን። ኣነ ሕልሚ ምስ ሰማዕካ ኸም እትፈትሖ፡ ብዛዕባኻ ኺዛረቡ ሰሚዔ፡ በሎ።
16. ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን እዚ ኣባይ ኣይኮነን፡ ኣምላኽ ድኣ ንፈርኦን ነገር ሰላም ኪመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
17. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ተዛረቦ፡ እንሆ ብሕልመይ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢለ ነበርኩ።
18. እንሆ ኽኣ ሾብዓተ ስቡሓትን መልክዔና ከኣ ጽቡቓትን ኣሓ። ካብቲ ርባ ደይበን ኣብ ሰልሰላ ይበልዓ ነበራ።
19. እንሆ ድማ ደድሕሪኤን ካልኣት ሾብዓተ” ከማታተን ዝምኽፋኤን ኣብ ኩላ ሃገር ግብጺ እኳ ዘይርኤኹ፡ ዝማሰናን ትርኢተን እዝየን ክፋኣትን ዓባሩን ኣሓ ወጻ።
20. እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሾብዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ ወሐጥኤን።
21. ኣብ ከብደን ድማ ኣተዋ። ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኸኣ የተፈልጠን፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣትን ነበራ። ተበራበርኩ ድማ።
22. ብሕልመይ ከኣ እንሆ፡ ሶብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ኣብ ሓንቲ ብርዒ ኺወጻ ርኤኹ።
23. ድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝህጎጓ ሾብዓተ ሰዊት ወጸ።
24. እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ወሓጥኤን። እዚ ነቶም ጠቢባን ነግርክዎም ዚፈትሓለይ ከኣ ኣይነበረን።
25. ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን በሎ፡ ሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩ። ኣምላኽ ኪገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣግሀደሉ።
26. እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ኣሓ ሾብዓተ ዓመት እየን፡ እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት እየን። ሓልሙ ሓደ እዩ።
27. እተን ደድሕሪኤን ዝወጻ ሾብዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ኸኣ ሾብዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸል ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጎጓ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪኾና እየን።
28. እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩ፡ ኣምላኽ እቲ ኺገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣርኣዩ።
29. እንሆ፡ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝኾነለይ ሾብዓተ ዓመት ኪመጻ እየን።
30. ብድሕሪኤን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጻ እየን። ብእኤን እቲ ኹሉ ጽጋብ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከኣ ነታ ሀገር ኪውድኣ እዩ።
31. ንሱ ኣዝዩ ኺብርትዕ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድሕሪት ዚኸውን ጥሜት እተላዕለ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብረ ጽጋብ ኣይፍለጥን።
32. እቲ ፈርኦን ካልኣይ ሳዕ ደጊሙ ምሕላሙ እቲ ነግር ካብ ኣምላኽ ስለ እተቖርጸ እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ቀልጢፉ ኺገብሮ እዩ።
33. ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ።
34. ፈርኦን ድማ በዘን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብጺ ሓምሳይ ኣፍ ዜውጽኡ ኣዘዝቲ ኣብ ሃገር ይሽም።
35. ናይዘን ዝመጻ ዝለአዋ ዓመታት ጽጋብ ዝብላዕ ዝኾነ ኹሉ ይአክቡ። እቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማያይ ይደለብ፡ ይሓልውዎ ኽኣ።
36. እቲ እኽሊ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጻ ሾብዓተ ጥሜት ነታ ሃገር ኪኸውን ይተዐቖር እታ ሃገር ከኣ ብጥሜት ኣይትጠፍእን።
37. እዚ ነግርዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣብ ቅድሚ ኹሎም ገላውኡን ጽቡቕ ኮነ።
38. ፈርኦን ከኣ ንገላውኡ፡ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፡ በሎም።
39. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣምላኽ እዚ ኹሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን።
40. ስንኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን ኩሉ ህዝብን ንቓልካ ይተኣዘዝ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዚዐቢ፡ በሎ።
41. ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ርኤ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ ኣሎኹ በሎ።
42. ፈርኦን ድማ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ናብ ኢድ ዮሴፍ ገብረሉ፡ ሻሽውን ከደኖ፡ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ።
43. ናብ ካላእይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣወጥሖ፡ ቀቅድሚኡ ኸኣ ስገድ ኢሎም ጨደሩ። ኣብ ልዕሊ ኹላ ሃገር ግብጺውን ሸሞ።
44. ፈራኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣነ ፈርኦን እየ፡ ኣብ ዝበላ ምድሪ ግብጺ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይስ እግሩ ኣየልዕል፡ በሎ።
45. ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ስሙ ጻፍናት ጳዕናሕ ኣውጻኣሉ። ኣስናት፡ ጓል ጴጡፌራዕ ካህን ኦን፡ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሀቦ። ዮሴፍ ከኣ ናብ ምድሪ ግብጺ ወጸ።
46. ዮሴፍ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደው ኪብል ከሎ፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዞረ።
47. እታ ምድሪ ዳ በተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ ሓፍሽ ሀበት።
48. ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ኹሉ ናይተን ሾብዓተ ዓመት እኽሊ ድማ ኣከበ፡ እቲ እኽሊ ቑጽሪ ዜብሉ ነበረ እሞ፡ ምቑጻር ክሳዕ ዚሓድጎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ ኣከበ።
49. ገና ዓመት ጥሜት ከመጸት ከላ ኣሰናት ጋል ጳጢፌራዕ ካህን ኦን ዝወለድትሉ፡ ንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልድሉ።
50. ገና ዓመት ጥሜት ከመጸት ከላ ኣሰናት ጋል ጳጢፌራዕ ካህን ኦን ዝወለድትሉ፡ ንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልድሉ።
51. ዮሴፍ ድማ ኣምላኽ ኩሉ መከራይን ኩሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በኹሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ።
52. ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ፡ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉ።
53. እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋ።
54. ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪኣትዋ ጀመራ። ኣብ ኩለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኮነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ።
55. ኩላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈራኦን ጠርዔ። ፈርኦን ከኣ ንኹሎም ግብጻውያን ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ በሎ።
56. ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኮነ። ዮሴፍ ከኣ ኩሉ ሪቕ ከፊቱ፡ ንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ኣብ ኩላ ምድሪ ኣናበርትዔ ኸደ እሞ ካብ ኩለን ሃገራት እኽሊ ኺሽምቱ፡ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።

  Genesis (41/50)