| ← Genesis (40/50) → |
| 1. | ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣኣ ኮነ፡ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንጐይታኦም ንጉስ በደሉ። |
| 2. | ፈርኦን ድማ ብኽልቲኦም መኳንንቱ ሓለቓ ኣሰላፍቲ ሜስን ሃለቓ ሰንከትቲ እንጌራን፡ ተቖጥዔ፡ |
| 3. | ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኪሕለው ናብታ ዮሴፍ ተአሲሩላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። |
| 4. | እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንዮሴፍ ምስኦም ኪኸውን አዘዘ፡ ንሱ ድማ ኣገልግሎም። ኣብኡ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ተሓለው። |
| 5. | ኢቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንንጉስ ግብጺ ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝምፍታሑ ሔሕልሞም ሓለሙ። |
| 6. | ዮሴፍ ንግሆ ናብታቶም ኣትዩ፡ እነውለ ጉህዮም ረአዮም። |
| 7. | ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጎይትኡ ምስኡ ዚሕለው ዝነበሩ መኳንንቲ ፈርኦን፡ እንታይ ኳንኩም ኢሉኹም ሎሚ ገጽኩም ጸሊምኩም ዘለኹም፡ ኢሉ ሓተቶም። |
| 8. | ሕልሚ ሓሊምና እሞ ዚፈትሖ ድማ የልቦን፡ በልዎ። ዮሴፍ ድማ እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኮነን፡ እስኪ ሕልሙኸ ንገሩኒ በሎም። |
| 9. | እቲ ሓለቓ ኣስለላፍ ሜስ ከኣ ሕልሙ ንዮሴፍ፡ እንሆ፡ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኔ ርኤኹ። |
| 10. | ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨናፍር ነበረ፡ ኪጥዕም ከሎ ኽኣ ዐምበበ፡ እቲ ዘለላኡ ድማ ብሱል ዘቢብ ሀበ። |
| 11. | ጽዋእ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፡ ነዚ ዘቢብ ወሲደ ኸኣ ናብ ጽዋእ ፈርኦን ጸሙቕክዎ፡ እታ ጽዋእ ድማ ንፈርኦን ኣብ ኢዱ ሀብክዎ። |
| 12. | ዮሴፍ ከኣ በሎ፡ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ። |
| 13. | ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈራኦን ንርእስኻ ኸብ ኬብል፡ ናብ ሽመት ቀደምካውን ኪመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ ኸሎኻ ዝነበረ ስርዓት ከኣ፡ ጽዋእ ፈርኦን ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ። |
| 14. | ምስ ዝቐንዓካ ድማ ዘክረኒ፡ በጃኻ ምሕረት ግበረለይ ንፈርኦን ከኣ ንገርለይ እሞ ካብዛ ቤት እዚኣ ኣውጸኣኒ። |
| 15. | ኣነ ኻብ ምድሪ እብራውያን ብስርቂ እተጨዌኹ እየ እሞ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዚእቱ ድማ ገለኳ ኣይገብርኩን። |
| 16. | እቲ ሐለቓ ሰነከትቲ እንጌራ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝፈትሔ ምስ ረአየ፡ ንዮሴፍ፡ ኣነ ድማ ብሕልመይ እንሆ፡ ስለስተ መሶብ ጻዕዳ እንጌራ ኣብ ርእሰይ ነበረ። |
| 17. | ኣብቲ ላዕላይ መሶብ ከኣ ካብ ኩሉ ዓየንት ብልዒ ፈርኦን ግቡር እንጌራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዘሎ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ካብኡ ይበልዓ ነበራ፡ በሎ። |
| 18. | ዮሴፍ ከኣ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ስለሰተ መሶብ ስለስተ መዓልቲ እዩ። |
| 19. | ድሕሪ ስለስተ መዓልቲ ፈርኦን ርእስኻ ካባኻ ኪወስድ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ ኪሰቕላ እዩ። ስጋኻ ኸኣ ካባኻ ኣዕዋፍ ኪበልዖኦ እየን፡ ኢሉ መለሰ። |
| 20. | ኮነ ድማ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ እሞ፡ ንኹሎም ገላውኡ ምሳሕ ገብረሎም። ሽዑ ንርእሲ ሓለቓ ኣሰአፍቲ ሜስን ርእሲ ሓለቓ ስንከትቲ እንጌራን ኣብ ማእከል ገለውኡ ኽብ ኣበለ። |
| 21. | ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ ንሱ ድማ እቲ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ሀበ። |
| 22. | ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ግና ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሓሎም፡ ሰቐሎ። |
| 23. | እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር ኣይዘከሮን። |
| ← Genesis (40/50) → |