Genesis (40/50)  

1. ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣኣ ኮነ፡ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንጐይታኦም ንጉስ በደሉ።
2. ፈርኦን ድማ ብኽልቲኦም መኳንንቱ ሓለቓ ኣሰላፍቲ ሜስን ሃለቓ ሰንከትቲ እንጌራን፡ ተቖጥዔ፡
3. ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኪሕለው ናብታ ዮሴፍ ተአሲሩላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።
4. እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንዮሴፍ ምስኦም ኪኸውን አዘዘ፡ ንሱ ድማ ኣገልግሎም። ኣብኡ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ተሓለው።
5. ኢቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንንጉስ ግብጺ ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝምፍታሑ ሔሕልሞም ሓለሙ።
6. ዮሴፍ ንግሆ ናብታቶም ኣትዩ፡ እነውለ ጉህዮም ረአዮም።
7. ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጎይትኡ ምስኡ ዚሕለው ዝነበሩ መኳንንቲ ፈርኦን፡ እንታይ ኳንኩም ኢሉኹም ሎሚ ገጽኩም ጸሊምኩም ዘለኹም፡ ኢሉ ሓተቶም።
8. ሕልሚ ሓሊምና እሞ ዚፈትሖ ድማ የልቦን፡ በልዎ። ዮሴፍ ድማ እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኮነን፡ እስኪ ሕልሙኸ ንገሩኒ በሎም።
9. እቲ ሓለቓ ኣስለላፍ ሜስ ከኣ ሕልሙ ንዮሴፍ፡ እንሆ፡ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኔ ርኤኹ።
10. ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨናፍር ነበረ፡ ኪጥዕም ከሎ ኽኣ ዐምበበ፡ እቲ ዘለላኡ ድማ ብሱል ዘቢብ ሀበ።
11. ጽዋእ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፡ ነዚ ዘቢብ ወሲደ ኸኣ ናብ ጽዋእ ፈርኦን ጸሙቕክዎ፡ እታ ጽዋእ ድማ ንፈርኦን ኣብ ኢዱ ሀብክዎ።
12. ዮሴፍ ከኣ በሎ፡ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ።
13. ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈራኦን ንርእስኻ ኸብ ኬብል፡ ናብ ሽመት ቀደምካውን ኪመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ ኸሎኻ ዝነበረ ስርዓት ከኣ፡ ጽዋእ ፈርኦን ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ።
14. ምስ ዝቐንዓካ ድማ ዘክረኒ፡ በጃኻ ምሕረት ግበረለይ ንፈርኦን ከኣ ንገርለይ እሞ ካብዛ ቤት እዚኣ ኣውጸኣኒ።
15. ኣነ ኻብ ምድሪ እብራውያን ብስርቂ እተጨዌኹ እየ እሞ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዚእቱ ድማ ገለኳ ኣይገብርኩን።
16. እቲ ሐለቓ ሰነከትቲ እንጌራ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝፈትሔ ምስ ረአየ፡ ንዮሴፍ፡ ኣነ ድማ ብሕልመይ እንሆ፡ ስለስተ መሶብ ጻዕዳ እንጌራ ኣብ ርእሰይ ነበረ።
17. ኣብቲ ላዕላይ መሶብ ከኣ ካብ ኩሉ ዓየንት ብልዒ ፈርኦን ግቡር እንጌራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዘሎ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ካብኡ ይበልዓ ነበራ፡ በሎ።
18. ዮሴፍ ከኣ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ስለሰተ መሶብ ስለስተ መዓልቲ እዩ።
19. ድሕሪ ስለስተ መዓልቲ ፈርኦን ርእስኻ ካባኻ ኪወስድ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ ኪሰቕላ እዩ። ስጋኻ ኸኣ ካባኻ ኣዕዋፍ ኪበልዖኦ እየን፡ ኢሉ መለሰ።
20. ኮነ ድማ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ እሞ፡ ንኹሎም ገላውኡ ምሳሕ ገብረሎም። ሽዑ ንርእሲ ሓለቓ ኣሰአፍቲ ሜስን ርእሲ ሓለቓ ስንከትቲ እንጌራን ኣብ ማእከል ገለውኡ ኽብ ኣበለ።
21. ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ ንሱ ድማ እቲ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ሀበ።
22. ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ግና ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሓሎም፡ ሰቐሎ።
23. እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር ኣይዘከሮን።

  Genesis (40/50)