| ← Genesis (4/50) → |
| 1. | ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ተነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፡ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ ድማ በለት። |
| 2. | ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዩ ምድሪ ኾነ። |
| 3. | ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ኾነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። |
| 4. | ኣቤል ክኣ ካብ በኹራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጼኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ። |
| 5. | ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ኾረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ። |
| 6. | እግዚኣብሄር ክኣ ንቃየል፡ ስለምንታይ ኮሬኻ፡ ስለምንታይ ገጽካ ጸለመ። |
| 7. | ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካሶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ ኢዩ። ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ በሎ። |
| 8. | ቃየል ድማ ንሓው ኣቤል ተዛረቦ፡ ኾነ ኽኣ፡ ኣብ መሮር ከለው፡ ቃየል ንሓው ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ። |
| 9. | እግዚኣብሄር ክኣ ንቃየል፡ ኣቤል ሓውካ ኣበይ ኣሎ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ ኢየ በለ። |
| 10. | ንሱ ኽኣ እንታይ ጌርካ ኢኻ፡ ድምጺ ደም ሓውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። |
| 11. | ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ክትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ |
| 12. | ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን ኢያ፡ ኣብ ምድሪ ኮብላልን ቀባሕባሓይን ኩን በለ። |
| 13. | ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዩ ኢዩ። |
| 14. | እንሆ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ተሰጎኒ ኣሎኻ። ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ ኢየ፡ ኣብ ምድሪ ኾብላልን ቀባሕብሓይን ኸኸውን ኢየ፡ ኸኸውን ክኣ ኢዩ፡ ዚረኸበኒ ዘበለ ኹሉ ኪቐትለኒ ኢዩ። |
| 15. | እግዚኣብሄር ድማ፡ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ኹሉ ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ ኽፈድዮ ኢየ በሎ። ዝረኸቦ ኹሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኽኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገብረሉ። |
| 16. | ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ። |
| 17. | ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኽኣ ከተማ ሰርሔ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ። |
| 18. | ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኤራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንማቱሳኤል ወለደ። ማቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። |
| 19. | ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሃንቲ ዓዳ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። |
| 20. | ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኮነ። |
| 21. | ስም ሓው ኽኣ ዩባል ኢዩ። ንሱ ኽኣ ኣቦ ኹሎም ኣቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኮነ። |
| 22. | ጺላ ድማ ንቱባልቃይን ወለደት። ንሱ ኽኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኩሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ፡ ሓውቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ ኢያ። |
| 23. | ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ን በላ፡ ስለ ቑስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ዝምብራተይ ድማ ጎበዝ ቀተልኩ። |
| 24. | ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሓነ እንተ ዝፈድዮስ ንላሜክ ክኣ ስብዓን ሾብዓተን ካዕበት። |
| 25. | ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኽኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ ኢዩ። ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ። |
| 26. | ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኽኣ ሄኖክ ኣውጽኣትሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለል ጀመሩ። |
| ← Genesis (4/50) → |