Genesis (4/50)  

1. ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ተነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፡ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ ድማ በለት።
2. ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዩ ምድሪ ኾነ።
3. ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ኾነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ።
4. ኣቤል ክኣ ካብ በኹራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጼኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ።
5. ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ኾረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ።
6. እግዚኣብሄር ክኣ ንቃየል፡ ስለምንታይ ኮሬኻ፡ ስለምንታይ ገጽካ ጸለመ።
7. ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካሶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ ኢዩ። ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ በሎ።
8. ቃየል ድማ ንሓው ኣቤል ተዛረቦ፡ ኾነ ኽኣ፡ ኣብ መሮር ከለው፡ ቃየል ንሓው ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ።
9. እግዚኣብሄር ክኣ ንቃየል፡ ኣቤል ሓውካ ኣበይ ኣሎ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ ኢየ በለ።
10. ንሱ ኽኣ እንታይ ጌርካ ኢኻ፡ ድምጺ ደም ሓውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።
11. ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ክትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡
12. ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን ኢያ፡ ኣብ ምድሪ ኮብላልን ቀባሕባሓይን ኩን በለ።
13. ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዩ ኢዩ።
14. እንሆ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ተሰጎኒ ኣሎኻ። ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ ኢየ፡ ኣብ ምድሪ ኾብላልን ቀባሕብሓይን ኸኸውን ኢየ፡ ኸኸውን ክኣ ኢዩ፡ ዚረኸበኒ ዘበለ ኹሉ ኪቐትለኒ ኢዩ።
15. እግዚኣብሄር ድማ፡ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ኹሉ ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ ኽፈድዮ ኢየ በሎ። ዝረኸቦ ኹሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኽኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገብረሉ።
16. ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ።
17. ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኽኣ ከተማ ሰርሔ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ።
18. ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኤራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንማቱሳኤል ወለደ። ማቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ።
19. ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሃንቲ ዓዳ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ።
20. ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኮነ።
21. ስም ሓው ኽኣ ዩባል ኢዩ። ንሱ ኽኣ ኣቦ ኹሎም ኣቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኮነ።
22. ጺላ ድማ ንቱባልቃይን ወለደት። ንሱ ኽኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኩሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ፡ ሓውቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ ኢያ።
23. ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ን በላ፡ ስለ ቑስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ዝምብራተይ ድማ ጎበዝ ቀተልኩ።
24. ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሓነ እንተ ዝፈድዮስ ንላሜክ ክኣ ስብዓን ሾብዓተን ካዕበት።
25. ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኽኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ ኢዩ። ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ።
26. ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኽኣ ሄኖክ ኣውጽኣትሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለል ጀመሩ።

  Genesis (4/50)