Genesis (39/50)  

1. ንዮሴፍ ከኣ ናብ ግብጺ ኣውረድዎ። ጲጢፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን፡ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ካብ ኢድ እቶም ናብኡ ዘውረድዎ እስማዔላውያን ተሻየጦ።
2. እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ እሞ፡ ንሱ ዕዮኡ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ነበረ።
3. ጎይትኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገበሮ ኹሉ ድማ እግዚኣብሄር ኢብ ኢዱ ኸም ዝቕንዓሉን ረአየ።
4. ዮሴፍ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበ፡ የገልግሎውን ነበረ። ኣዛዝ ቤቱ ገበሮ፡ ዘለዎ ኹሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሀቦ።
5. ኮነ ኽኣ፡ ኣብ ቤቱን ኣብ ኩሉ ጥሪቱን ካብ ዝሾሞ ጊዜ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኻ። ኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበረ ኹሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ።
6. ዘለዎ ኩሉ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ዝለዎ ዘበለ ድማ ፡ ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጌራ ገለኳ ኣይፈለጠን። ዮሴፍ ከኣ መልከዔኛ ትርኢቱ ድማ ጽቡቕ ነበረ።
7. ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ኮነ፡ ንዮሴፍ ሰበይቲ ጎይትኡ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ። ምሳይ ደቅስ፡ በለቶ።
8. ንሱ ድማ እናኣበየ፡ ንሰብይቱ ጎይትኡ፡ እንሆ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፡ ዘለዎ ኹሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ።
9. ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚስልጥን የልቦን፡ ስበይቱ ኢኺ እሞ ብጀካኽስ ገለኳ ኣይከልአንን። ከምይ ገይረኸ እዚ ዓብዩ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፡ በላ።
10. ኮነ ድማ መዓልቲ ንመዓልቲ ንዮሴፍ እናተዛረበቶ ኽንሳ፡ ንሱ ምስኣ ኺድቅስ ወይስ ምስኣ ኺነብር ኣይሰምዓን።
11. ኮነ ኽኣ ሓንቲ መዓልቲ ዕዮኡ ኺገብር ናብ ቤት ኣተወ፡ ኣብኣ ኣብታ ቤት ድማ ካብ ሰብ ቤት ገለ ሰብ ኣይነበረን።
12. ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ ድማ ምሳይ ደቅስ በለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓደገላ፡ ሀዲሙ ኸኣ ንግዳም ወጸ።
13. ንሳ ድማ ክዳኑ ኣብ ኢዳ ኸም ዝሕደገን ንግዳም ከኣ ከም ዝሀደመን ምስ ረኣየት፡
14. ንስድራ ቤታ ጸዊዓ ርአዩ ኪሰሓቐልናስ እብራዊ ሰብኣይ ኣእትዮልና፡ ንሱ ምሳይ ኪድቅስ ናባይ ኣተወ፡ ኣነ ኽኣ ዓው ኢለ ኸም ኣእዌኹ።
15. ኮነ ድማ ቃለይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእዌኹ ምስ ሰምዔ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ፡ ሀዲሙ ንግዳም ወጸ፡ ኢላ ተዘረበቶ።
16. ነቲ ኽዳኑ ድማ፡ ጎይትኡ ናብ ቤቱ ኽሳዕ ዚመጽእ ምስኣ ኣንበረቶ።
17. ከምዚ ኢላ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነገረቶ፡ እቲ ዘምጻእካልና እብራዊ ባርያ ኺሰሐቕለይ ናባይ ኣተወ።
18. ኮነ ድማ ቃለይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእዌኹ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ ንግዳም ሀደመ።
19. ኮነ ኸኣ ጎይትኡ ኣታ ሰበይቱ፡ ባርያኻ ኸምዚ ነግርዚ ገብረኒ፡ ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ሰምዔ፡ ኩራኡ ነደደ።
20. ጐይታ ዮሴፍ ድማ ወሲዱ ናብታ ቤት ማእሰርቲ፡ እቶም እሱራት ንጉስ ዚእሰሩላ ቦታ፡ ኣእተዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ።
21. እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ምሕረት ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞጎስ ሀቦ።
22. እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኹሎም እሱራት ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ኣብኡ ዝገበርዎ ዘበለ ኹሉ፡ ገባሪኡ ንሱ ነበረ።
23. እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ብገለኳ ኣይሓልን ነበረ። ዝገብሮ ኹሉ ድማ እግዚኣብሄር የቕንዓሉ ነበረ።

  Genesis (39/50)