Genesis (38/50)  

1. በቲ ወርሓት እቲ ኽኣ ኾነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላማዊ ሰባኣይ ኣተወ።
2. ይሁዳ ኣቡኣ ጓል ሹዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረኣኣየ፡ ወሲዱ ኸኣ ኣተዋ።
3. ንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ።
4. ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድም ኦናን ኣውጽኣትሉ።
5. ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወይ ወለደት ስሙ ውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንኣኡ ኽትወልድ ከላ ይሁዳ ኣብ ከዚብ ነበረ።
6. ይሁዳ ድማ ንዔር በኹሪ ወዲ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።
7. ዔር በኹሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ።
8. ሽዑ ይሁዳ ንኣናን፡ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቖም በሎ።
9. ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኮነ ኽኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓው ምስ ዚኣቱ፡ ንሓው ዚርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ ናብ ምድሪ ኽዐዎ።
10. እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ኮነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ።
11. ሽዑ ይሁዳ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱ ወደይ ሼላ ኽሳዕ ዚዐቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኳንኪ ተቐመጢ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።
12. ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ምስ ተጸናንዔ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣብጊዑ ዚቖርጹ ናብ ቲምናት ደየበ።
13. ንታማር ድማ እንሆ ሓሙኺ ኣባጊዑ ኺቐርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዋ።
14. ንሳ ኽኣ ሼላ ዓብዩ ኽንሱ ሰበይቱ ኽትከውን ከም ዘይተዋህባ ረኣየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራ፡ ብመጎልበቢ ተጎልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ትምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት።
15. ይሁዳ ምስ ረኣያ፡ ገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ።
16. ንሱ ኽኣ ሰበይቲ ወዲ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱ፡ በጃኺ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ በላ። ንሳ ድማ ናባይ ክትኣቱስ ኣንታይ እሞ ትህበኒ በለቶ።
17. ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪ፡ በላ። ንሳ ኽኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕቲዶ ትህበኒ ኢኻ በለቶ።
18. ንሱ ኽኣ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪ፡ በለ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ እሞ ኢድካ ዘላ በትርኻን፡ በለት። ሀባ እሞ ኣተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት።
19. ተንሲኣ ኸኣ ከደት፡ መጎለበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት።
20. ይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ ቢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደአላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን።
21. ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ። ኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነብረትን በሎ።
22. ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኽኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎ።
23. ይሁዳ ድማ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ። ንስኻ ኽኣ ኣይረኸብካያን እሞ መላገጺ ኸይንኸውንሲ ትውሰዶ በለ።
24. ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳ፡ ታማር፡ ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸብ ብዝሙት ጠኒሳ ኣላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ በለ።
25. ምስ ኣውጽእዋ ድማ ናብ ሓሙኣ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ ኢላ ሰደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝኾና እስኪ ኣለሉ በጃኺ ድማ በለት።
26. ይሁዳ ኽኣ ኣለልይዎ፡ ንወደይ ሼላ ኻብ ዝይሀብክዋስ ካባይ ንሳ ትቐንዕ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን።
27. ኮነ ኽኣ፡ ብግዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ።
28. ኮነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ ኣቲ ሓደ ኢዱ ኣውጼኤ እታ መሕረሲት ከኣ እዚ ቕድም ወጸ ኢላ ቀይሕ ፈትሎ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ።
29. ኮነ ድማ ንሱ ኢዱ ምስ መለስ እንሆ፡ ሓው ወጸ። ንሳ ኽኣ፡ ከምይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ በለት። ስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለ።
30. ብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነብሮ ሓው ወጸ። ስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ።

  Genesis (38/50)