Genesis (37/50)  

1. ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ተሰዲድዋ ዝነበረ ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ።
2. ወለዶ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍ፡ ወዲ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ምስ ኮነ፡ ምስ ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ይጓሲ ነበረ። ንሱ ብንእስነቱ ኾሎ ኽኣ ምስ ደቂ ቢልሃን ምስ ደቂ ጺልጳን ኣንስቲ ኣቦኡ ነበረ። ዮሴፍ ድማ እቲ ኽፉእ ወሬኦም ነቦኦም የምጽኣሉ ነበረ።
3. እስራኤል ንዮሴፍ፡ ወዲ እርግናኡ ነበረ እሞ፡ ሓለፋ ኹሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ። ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ገበረሉ።
4. እቶም ኣሕዋቱ ኣቦኦም ሓለፉ ኹላቶም ኣሕዋቱ ኸም ዝፈተዎ ርእዮም። ጸልእዎ፡ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከእሉን።
5. ዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሐለመ ነሕዋቱ ድማ ነገሮም። መሊሶም ከኣ ኣዝዮም ጸልእዎ።
6. ንሱ ድማ ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ።
7. እንሆ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ንኣሰር ነበርና። እንሆ ኸኣ፡ እንዳእትኹም ናኣንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ፡ በሎም።
8. ሽዑ ኣሕዋቱ እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ኽትገዝኣና ኢኻ፡ በልዎ። መሊሶም ከኣ ብዛዕባ ሕልምታቱን ዘረባኡን ኣዝዮም ጸልእዎ።
9. ካልእ ሕልሚ ድማ ሓለመ፡ ነሕዋቱ ከኣ ነገሮም፡ እንሆ ካልእ ሓልሚ ሓለምኩ፡ እንሆ ድማ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይ በለ።
10. ነቦኡን ነሕዋቱን ድማ ነገጎም። ኣቦኡ ኸኣ ገንሖ፡ እዚ ዝሓለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፡ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ኣብ ምድሪ ኽንሰገልካ ኢና በሎ።
11. ኣሕዋቱ ኽኣ ቀንኡሉ። ኣቡኡ ግና ነዚ ነገርዚ ኣብ ልቡ ዑቒርዎ ነበረ።
12. ኣሕዋቱ ድማ ጤለበጊዕ ኣቦኣኦም ኪጓስቱ ናብ ስኬም ከዱ።
13. እስራኤል ከኣኣ ንዮሴፍ ኣሕዋትካ ደኣ ኣብ ሴኬምዶ ይጓስዩ አየለውን፡ ናዓ ናባታቶም ክሰደካ በሎ። ንሱ ኽኣ ኣኔኹ በሎ።
14. ኪድ እሞ፡ እቶም ኣሕዋትካ ደሓን እንተለው፡ እተን ጤለበጊዕውን ደሓን እንተለዋ ርኤ፡ ቃል ድማ ምለሰለይ በሎ፡ ከምዚ ገይሩ ኻብ ለሰ ኬብሮን ለኣኾ። ንሱ ኽኣ ናብ ሴኬም መጸ።
15. ኣብቲ መሮር ሃለው ክብል ከሎ እንሆ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ። እቲ ሰባኣይ ከኣ እንታይ ትደሊ ኣሎኻ፡ ኢሉ ሓተቶ።
16. ንሱ ድማ፡ ኣሕዋተይ እደሊ ኣለኹ፡ ኣበይ ከም ዝጓስዩ ኾታ ንገረኒ በለ።
17. እቲ ሰብኣይ ከኣ ናብ ዶታን ንኽዽ ኪብሉ ሰሚዔዮም ነብርኩ እሞ ካብዝስ ለቒቖም እዮም በለ። ዮሴፍ ከኣ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፡ ኣብ ዶታን ረኸቦም።
18. ካብ ርሑቕ ድማ ረኣኣይዎ፡ ገና ኣባታቶም ከይቀረበ ኸኣኣ፡ ኪቐትልዎ ተታናኾሉ።
19. ንሓድሕዶም ድማ ተባሃህሉ፡ እቲ ሓላሚ እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ።
20. ሕጂ ኻኣ ንዑ ንቕተሎ ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ጎዳጉድ ንደርብዮ እሞ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ድማ ንርኢ።
21. ሮቤል ከኣ እዚ ሰሚዑ ኻብ ኢዶም ኣድሓኖ፡ ነፊ ኣይንቕተል፡ ድማ በለ።
22. ሮቤል ከኣ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ምእንቲ ኺመልሶ ኢሉ፡ ብኢድ እኳ ኣይትተንክይዎ፡ ኣብዚ በረኻ ኣብ ዘሎ ጓድጓድ ደርብይዎ እምበር ደምሲ ኣይትኽዐው በሎም።
23. ኮነ ኽኣ፡ ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ መጸ፡ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ እቲ ወለል ዝብል ቀምሽ ቐንጢጦም።
24. ወሲዶም ድማ ናብ ጓድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጓድጓድ ከኣ ማይ ዜብሉ ጥራዩ ነበረ።
25. እንጌራ ኺበልዑ ድማ ተቐመጡ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ጠመቱ ኣንሆ ኸኣኣ እስማዔላውያን ቃፍላይ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ተጽዒነን ናብ ግብጺ ኼውርድዎ ኪኸዱ፡ ካብ ጊልዓድ ኪመጹ ረኣዩ።
26. ይሁዳ ድማ ነሕዋቱ፡ ሓውና ቐቲልና ደሙ እንተ ሓባእናስ እንታይ ክንጥቀም ኢና።
27. ንዑ ግዳ ኣብዞም እስማዒላውያን ንሽጦ፡ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ ኢድና ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ሰምዕዎ።
28. እቶም ነጋዶ ሰብ ሚድያን ኪሓልፉ ኸለው፡ ንዮሴፍ ኣልዒሎም ካብ ጓድጓድ ኣውጽእዎ እሞ፡ ንዮሴፍ ንዕድራ ሲቃል ብሩር ኣብ እስማዔላውያን ሸጥዎ። ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ።
29. ሮቤል ድማ ናብቲ ጓድጓድ ተመልሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ጓድጓድ ኣይነብረን። ሽዑ ኽዳኑ ቐደደ።
30. ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ እቲ ቖልዓ የሎን ኣነ ደኣ ናበይ ክኸይድ እየ በለ።
31. ቀምሽ ዮሴፍ ወሲዶም ከኣ ወጠጦ ሓሪዶም ነቲ ቀምሽ ኣብ ደም ጠለቕዎ።
32. ነቲ ወለል ዚብል ቀምሽ ሰዲዶም ናብ ኣቦኣኣኦም ኣእተውዎ እዚ ረኺብና እሞ ቀምሽ ወድኻ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮነ እስከ ኣለልዮ ድማ በሉ።
33. ኣለልይዎ ኸኣኣ፡ እዚ ቐምሽ ወደይ እዩ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ፡ ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ በለ።
34. ያእቆብ ድማ ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቑኡ ማቕ ተዐጥቀ፡ ዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ።
35. ኩሎም ኣወዳቱን ኩለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየ፡ ብሕዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ ኣየ፡ ድማ በለ። ኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ።
36. እቶም ሚድንያውያን ድማ ናብ ግብጺ ናብ ጲጦፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን ሓለቓ ዘብልዔኛታት፡ ሸጥዎ።

  Genesis (37/50)