Genesis (36/50)  

1. ወለዶ ኤሳው፡ ንሱ ድማ ኤዶም፡ እዚ እዩ።
2. ኤሳው እተን እንስቱ ኻብ ኣዋልድ ከነኣን ዓዳ፡ ጓል ኤሎን ሔታውን ኦሆሊባማ ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ሓዋዊን።
3. ባስማት ጓል እስማዒል ሓብቲ ነባዮትን ወሰደ።
4. ዓዳ ድማ ንኤሳው ኤሊፋዝ ወለደትሉ፡ ባስማት ከኣ ንራጉኤል ወለደት።
5. ኦሆሊባማን የዑስን ያዕላምን ቆራሕን ወለደት። እዚእቶም ኣብ ምድሪ ኸነኣን እተወልዱሉ ደቂ ኤሳው እዮም።
6. ኤሳው ኣንስቱን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኩሉ ስድራቤቱን ማሉን ኩሉ እንስስኡን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረዮ ኹሉ ጘንዘቡን ወሰደ፡ ካብ ቅድሚ ያእቆብ ሓው ኸኣ ናብ ካልእ ምድሪ ኸደ።
7. ብሓደ ኸይቅመጡ እቲ ጥሪቶም በዚሑ ነበረ እሞ፡ ብምኽንያት ማሎም ድማ እታ ምድሪ ሰደቶም ክትጾሮም ኣይከኣኣለትን።
8. ኤሳው ከኣ ኣብ ከረን ስዒር ተቐመጠ። ኤሳው ኤዶም እዩ።
9. ወለዶ ኣሳው ኣቦ ኣኤዶማውያን ኣብ ከረን ስዒር እዚ እዩ።
10. ስማት ደቂ ኤሳው እዚ እዩ፡ ኤሌፋዝ፡ ወዳ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፡ ራጉኤል፡ ወዲ ባስማት ስበየት ኤሳው።
11. ደቂ ኤሊፋዝ ከኣኣ፡ ቴማን፡ ኦማር፡ ጹፎ፡ ጋዕታም፡ ቄናዝ ነበሩ።
12. ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ ፡ ንኢሊፋዝ ኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም።
13. ደቂ ራጉኤል ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ናሕትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን፡ እዚኣቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ።
14. ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ንሳ ንኤሳው የዑሽን ያዕላማን ቆራሕን ወለደትሉ።
15. ሹማምቲ ደቂ ኤሳድ፡ ደቂ ኤላፋዝ በኹሪ ኤሳው፡ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ቴማን ሹር ኣማር፡ ሹም ፄፎ፡ ሹም ቄናዝ፡
16. ሹም ቆራሕ፡ ሹም ጋዕታም፡ ሹም ኣማሌቅ። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤሊፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ እዮም።
17. ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹምናሓት፡ ሹም ዜራሕ፡ ሹም ሻማ፡ ሹም ሚዛ። እዚኣቶም ሹማምቲ ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣዮም። ንሳቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው እዮም።
18. ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም የዑስ፡ ሹም ያዕላም፡ ሹም ቆራሕ፡ እዚኣቶም ሱማምቲ ኦሆሊባማ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው፡ ኣዮም።
19. እዚኣቶም ደቂ ኤሳው፡ ንሱ ኤዶም፡ ሹማምቶም ድማ እዚኣቶም እዮም።
20. ደቂ ሰዒር ሓራዊ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ እዚኣኣቶም እዮም፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን።
21. ዲሾንን ኤጾርን ዲሻንን፡ እዚኣቶም ሹማምቲ ሖራውያን ደቂ ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም።
22. ደቂ ሉጣን ከኣ ሖሪን ሄማምን ነበሩ ሓብቲ ሎጣን ድማ ቲምናዕ።
23. ደቂ ሾባል ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዓልዋንን ማናሓትን ኤባልን ሼፎን ኦናምን።
24. ደቂ ጺቦዖን ድማ እዚኣቶም እዮም። ኣያን ዓናን። እዚ ዓና እዚ፡ ኣእዱግ ኣቦኡ ጸብዖን ኣብ በረኽ ኺጓሲ ኸሎ፡ ዐይንታት ማይ ውዑይ ዝረኸበ እዩ።
25. ደቂ ዓና ኸኣኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዲሻንን ኦሆሊባማ ጓል ዓናን።
26. ደቂ ዲሻን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዑጽን ኣራንን።
27. ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና።
28. ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና።
29. ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና።
30. ሹም ዲሻን፡ ሹም ኤጽር፡ ሹም ዲሻን። እዚኣቶም በብስሞም ኣብ ምድሪ ስዒር ዘለው ሹማምቲ ሖራውያን እዮም።
31. ገና ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነገሱ ነገስታት ድማ እዚኣቶም እዮም።
32. ቤላዕ ወዲ ቤዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፡ ከተማኡ ኸኣ ዲንሃባ ተባህለት።
33. ቤላዕ ድማ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዘራሕ ከብ ቦጽራ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
34. ዮባብ ከኣ ሞተ። ሑሻም ካብ ሃገር ቴማኒ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
35. ሑሻም ድማ ሞተ። ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሰብ ሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዕውረ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ዓዊት ነበረ።
36. ሃዳድ ከኣ ሞተ። ሳምላ ኻብ ምስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
37. ሳምላ ድማ ሞተ። ሻኡል፡ በዓል እታ ጥቓ ርባ ዘላ ራሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
38. ሻኡል ከኣ ሞተ እሞ በዓልሓናን ወዲ ኣኽቦር ኣብ ክንዳኣኡ ነገሰ።
39. በዓልሓናን ወዲ ኣኽቦር ድማ ሞተ ሃዳር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ጳዑ ነበረ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ሜሄጣብኤል እዩ፡ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜዛሃብ እያ።
40. ስም ሹማምቲ ኤሳው በብዓሌቶም፡ በቦታኦም፡ በብስሞም እዚ እዩ፡ ሹም ቲምናዕ፡ ሹምዓልዋ፡ ሹም የቴት።
41. ሹም ኦሆሊባማ ሽምኤል ሹም ጲኖን።
42. ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን ሹም ማብጻር፡
43. ሹም ማግዲኤል ሹም ዒራም። እዚኣቶም በብምቕማጦም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለው ሹማምቲ ኤዶም እዮም። ኤሳው ንሱ ኣቦ ኤዶማውያን እዩ።

  Genesis (36/50)