| ← Genesis (36/50) → |
| 1. | ወለዶ ኤሳው፡ ንሱ ድማ ኤዶም፡ እዚ እዩ። |
| 2. | ኤሳው እተን እንስቱ ኻብ ኣዋልድ ከነኣን ዓዳ፡ ጓል ኤሎን ሔታውን ኦሆሊባማ ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ሓዋዊን። |
| 3. | ባስማት ጓል እስማዒል ሓብቲ ነባዮትን ወሰደ። |
| 4. | ዓዳ ድማ ንኤሳው ኤሊፋዝ ወለደትሉ፡ ባስማት ከኣ ንራጉኤል ወለደት። |
| 5. | ኦሆሊባማን የዑስን ያዕላምን ቆራሕን ወለደት። እዚእቶም ኣብ ምድሪ ኸነኣን እተወልዱሉ ደቂ ኤሳው እዮም። |
| 6. | ኤሳው ኣንስቱን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኩሉ ስድራቤቱን ማሉን ኩሉ እንስስኡን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረዮ ኹሉ ጘንዘቡን ወሰደ፡ ካብ ቅድሚ ያእቆብ ሓው ኸኣ ናብ ካልእ ምድሪ ኸደ። |
| 7. | ብሓደ ኸይቅመጡ እቲ ጥሪቶም በዚሑ ነበረ እሞ፡ ብምኽንያት ማሎም ድማ እታ ምድሪ ሰደቶም ክትጾሮም ኣይከኣኣለትን። |
| 8. | ኤሳው ከኣ ኣብ ከረን ስዒር ተቐመጠ። ኤሳው ኤዶም እዩ። |
| 9. | ወለዶ ኣሳው ኣቦ ኣኤዶማውያን ኣብ ከረን ስዒር እዚ እዩ። |
| 10. | ስማት ደቂ ኤሳው እዚ እዩ፡ ኤሌፋዝ፡ ወዳ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፡ ራጉኤል፡ ወዲ ባስማት ስበየት ኤሳው። |
| 11. | ደቂ ኤሊፋዝ ከኣኣ፡ ቴማን፡ ኦማር፡ ጹፎ፡ ጋዕታም፡ ቄናዝ ነበሩ። |
| 12. | ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ ፡ ንኢሊፋዝ ኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም። |
| 13. | ደቂ ራጉኤል ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ናሕትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን፡ እዚኣቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ። |
| 14. | ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ንሳ ንኤሳው የዑሽን ያዕላማን ቆራሕን ወለደትሉ። |
| 15. | ሹማምቲ ደቂ ኤሳድ፡ ደቂ ኤላፋዝ በኹሪ ኤሳው፡ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ቴማን ሹር ኣማር፡ ሹም ፄፎ፡ ሹም ቄናዝ፡ |
| 16. | ሹም ቆራሕ፡ ሹም ጋዕታም፡ ሹም ኣማሌቅ። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤሊፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ እዮም። |
| 17. | ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹምናሓት፡ ሹም ዜራሕ፡ ሹም ሻማ፡ ሹም ሚዛ። እዚኣቶም ሹማምቲ ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣዮም። ንሳቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው እዮም። |
| 18. | ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም የዑስ፡ ሹም ያዕላም፡ ሹም ቆራሕ፡ እዚኣቶም ሱማምቲ ኦሆሊባማ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው፡ ኣዮም። |
| 19. | እዚኣቶም ደቂ ኤሳው፡ ንሱ ኤዶም፡ ሹማምቶም ድማ እዚኣቶም እዮም። |
| 20. | ደቂ ሰዒር ሓራዊ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ እዚኣኣቶም እዮም፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን። |
| 21. | ዲሾንን ኤጾርን ዲሻንን፡ እዚኣቶም ሹማምቲ ሖራውያን ደቂ ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። |
| 22. | ደቂ ሉጣን ከኣ ሖሪን ሄማምን ነበሩ ሓብቲ ሎጣን ድማ ቲምናዕ። |
| 23. | ደቂ ሾባል ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዓልዋንን ማናሓትን ኤባልን ሼፎን ኦናምን። |
| 24. | ደቂ ጺቦዖን ድማ እዚኣቶም እዮም። ኣያን ዓናን። እዚ ዓና እዚ፡ ኣእዱግ ኣቦኡ ጸብዖን ኣብ በረኽ ኺጓሲ ኸሎ፡ ዐይንታት ማይ ውዑይ ዝረኸበ እዩ። |
| 25. | ደቂ ዓና ኸኣኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዲሻንን ኦሆሊባማ ጓል ዓናን። |
| 26. | ደቂ ዲሻን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዑጽን ኣራንን። |
| 27. | ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና። |
| 28. | ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና። |
| 29. | ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና። |
| 30. | ሹም ዲሻን፡ ሹም ኤጽር፡ ሹም ዲሻን። እዚኣቶም በብስሞም ኣብ ምድሪ ስዒር ዘለው ሹማምቲ ሖራውያን እዮም። |
| 31. | ገና ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነገሱ ነገስታት ድማ እዚኣቶም እዮም። |
| 32. | ቤላዕ ወዲ ቤዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፡ ከተማኡ ኸኣ ዲንሃባ ተባህለት። |
| 33. | ቤላዕ ድማ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዘራሕ ከብ ቦጽራ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። |
| 34. | ዮባብ ከኣ ሞተ። ሑሻም ካብ ሃገር ቴማኒ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። |
| 35. | ሑሻም ድማ ሞተ። ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሰብ ሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዕውረ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ዓዊት ነበረ። |
| 36. | ሃዳድ ከኣ ሞተ። ሳምላ ኻብ ምስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። |
| 37. | ሳምላ ድማ ሞተ። ሻኡል፡ በዓል እታ ጥቓ ርባ ዘላ ራሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። |
| 38. | ሻኡል ከኣ ሞተ እሞ በዓልሓናን ወዲ ኣኽቦር ኣብ ክንዳኣኡ ነገሰ። |
| 39. | በዓልሓናን ወዲ ኣኽቦር ድማ ሞተ ሃዳር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ጳዑ ነበረ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ሜሄጣብኤል እዩ፡ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜዛሃብ እያ። |
| 40. | ስም ሹማምቲ ኤሳው በብዓሌቶም፡ በቦታኦም፡ በብስሞም እዚ እዩ፡ ሹም ቲምናዕ፡ ሹምዓልዋ፡ ሹም የቴት። |
| 41. | ሹም ኦሆሊባማ ሽምኤል ሹም ጲኖን። |
| 42. | ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን ሹም ማብጻር፡ |
| 43. | ሹም ማግዲኤል ሹም ዒራም። እዚኣቶም በብምቕማጦም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለው ሹማምቲ ኤዶም እዮም። ኤሳው ንሱ ኣቦ ኤዶማውያን እዩ። |
| ← Genesis (36/50) → |