Genesis (35/50)  

1. ኣምላኽ ድማ ንያእቆብ፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤትኤል ደይብ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። ኣብኣ ድማ ነቲ ኻብ ቅድሚ ሓውካ ኤሳው ክትሀድም ከሎኻ እተገልጸልካ ኣምላኽ መሰውኢ ግበር በሎ።
2. ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ምስኡ ንዝነብሩ ኹሎምን፡ ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡ ጽረዩ፡ ክዳውንትኹምውን ለውጡ።
3. ንተንስእ፡ ናብ ቤትኤል ድማ ንደይብ፡ ኣብኣ ኸኣ ነቲ መዓልቲ ጸበባይ ዝሰምዓንን መሰውኢ ኽገብር እየ በሎ።
4. ኣብ ኢዶም ዝነብሩ ኹሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነብረ ቐለብትን ንያእቆብ ሀብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓብኦ።
5. ተጓዕዙ ኽኣ። ኣብተን ኣብ ዙርያኦም ዝነብራ ኸተታታት ድማ ዓብዩ ፍርሃት ኣምላኽ ኮነ እሞ፡ ንደቂ ያእቆብ ኣይሰጎጎውምን።
6. ያእቆብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ናብታ ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዘላ ሉዝ መጹ፡ ንሳ ኽኣ ቤትኤል እያ፡
7. ኣብኣ ድማ መሰውኢ ነደቐ። እቲ ኻብ ቕድሚ ሓው ኺሀድም ከሎ ኣምላኽ ኣብኣ ስለ እተገልጸሉ፡ ነታ ቦታ ቤትኤል ኣውጽኣላ።
8. ዲቦራ መጉዚት ርብቃ ሞተት፡ ኣብ ትሕቲ ቤትኤል ኣብ ትሕቲ እቲ ድማ ድማ ተቐብረት። ስሙ ኽኣ ድማ ብኽያት ተባህለ።
9. ያእቆብ ካብ ጳዳንኣራም ምስ ወጸ ድማ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራኣዮ፡ ባረኾ ኸኣ።
10. ኣምላኽ ድማ፡ ስምካ ያእቆብ እዩ። ድሕሪ ደጊምሲ ስምካ ያእቆብ ኣይብሀልን። ስምካስ እስራኤል ደኣ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ስሙ ኽኣ እስራኤል ኣውጽኣሉ።
11. ኣምላኽ ድማ፡ ኣነ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን። ህዝብን ብዝሒ ህዝብታትን ካባኻ ኺወጹ እዮም፡ ነገስታት ከኣ ካብ ሕቛኻ ኺወጹ እዮም።
12. እዛ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሀብኩዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እታ ምድሪ ንዘርእኻ ህቦ እየ በሎ።
13. ኣምላኽ ድማ ካብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ኻብኣ ደየበ።
14. ያእቆብ ከኣ ኣብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ሓወልቲ፡ ሓወልቲ እምኒ፡ ተኸለ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኸዐወ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኸዐወ።
15. ያእቆብ ከኣ ነታ ኣምላኽ ኣብኣ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ስማ ቤትኤል ኣውጽኣላ።
16. ካብ ቤትኤል ድማ ተላዕሉ። ንኤፍራታ ኺበጽሑ ገና፡ ገለ መገዲ ተሪፍዎም ከሎ፡ ራሄል ወለደት። ክትወልድ ከላ ድማ፡ ጻዕሪ በርትዓ።
17. ኮነ ኽኣ፡ ብሕርሳ ኽትጽዐር ከላ፡ እታ መሕረሲት፡ ሕጂ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ በለታ።
18. ኮነ ኽኣ፡ ክትመውት ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ ድማ ስሙ ቤንኦኒ ኣውጽኣትሉ። ኣቡኡ ግና ብንያም ኣውጽኣሉ።
19. ራሄል ከኣ ሞተት፡ ኣብ መገዲ ኤፍራታ ድማ ተቐብረት። ንሳ ቤትልሄም እያ።
20. ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ተኸለ፡ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ሓወልቲ መቓብር ራሄል እዩ።
21. እስራኤል ከኣ ካብኡ ተላዒሉ ድንኳኑ ኣብ ክንየው ግምቢ ኤደር ተኽለ።
22. ኮነ ድማ፡ እስራኤል ኣብኡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣቡኡ ደቀሰ። እስራኤል ድማ ሰምዔ። ኣወዳት ያእቆብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ነበሩ።
23. ደቂ ልያ ሮቤል ከኹሪ ያእቆብን ስምኦንን ሌውን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን።
24. ደቂ ራሄል ዮሴፍን ብንያምን።
25. ደቂ ቢልሃ ግዝእቲ ኣብ ጳዳንኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም።
26. ያእቆብ ድማ ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ናብ መምሬ ኣብ ቅርያትኣርባዕ መጸ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ተሰዲዶምዋ ዝነበሮ ኬብሮን እያ።
27. ያእቆብ ድማ ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ናብ መምሬ ኣብ ቅርያትኣርባዕ መጸ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ተሰዲዶምዋ ዝነበሮ ኬብሮን እያ።
28. ዕድመ ይስሃቅ ከኣ ሚእትን ሰምንያን ዓመት ኮነ። ይስሃቅ ድማ ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተ። ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ናብ ህዝቡ ተኣከበ። ደቂ ኤሳውን ያእቆብን ከኣ ቀበርዎ።

  Genesis (35/50)