Genesis (34/50)  

1. እታ፡ ልያ ንያእቆብ ዝወልደትሉ ዲና ጋላ ኸኣ፡ ነዋልድ እታ ሃገር ክትርኢ ወጸት።
2. ሴኬም ወዲ ሓሞር፡ እቲ ሓዋዊ ጐይታ እታ ሃገር ድማ ረኣያ፡ ወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ኣነወራውን።
3. ነፍሱ ድማ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጠበቐት፡ ነታ ጓል ፈተዋ፡ ነታ ጓልውን ብፍቕሪ ተዛረባ።
4. ሴኬም ድማ ነቦኡ ሓሞር፡ እዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትከውን ኣምጽኣለይ ኢሉ ተዛረቦ።
5. ያእቆብ ድማ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ስምዔ፡ ደቁ ኸኣኣ ምስ ማሉ ኣብ መሮር ነበሩ እሞ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዚኣትው ስቕ በለ።
6. ሓሞር ኣቦ ሴኬም ከኣ ምስኡ ኽዛረብ ናብ ያእቆብ ወጸ።
7. ደቂ ያእቆብ ድማ እዚ ምስ ሰምዑ ካብ መሮር ኣተው። እቶም ሰባት ከኣ ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ ኺግበር ዝይግባእ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፡ ጉህዮም ኣዝዮም ተናደዱ።
8. ሓሞር ድማ፡ ነፍሲ ወደይ ሴኬም ምስ ጋልኩም ተጣቢቓ እያ እሞ፡ በጃኹም ሰበይቱ ኽትከውን ሀብዎ።
9. ምሳና ተዋሰቡ ኣዋልድኩም ሀብና፡ ንኣኻትኩም ኣዋልድና ውሰዱ።
10. ምሳና ድማ ንበሩ። እንሃ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ፡ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ተረስተይዋን ኢሉ ተዛረቦም።
11. ሴኬም ድማ ነቦኣኣን ነሕዋታን፡ ኣብ ቅድሜኹም ኮታ ሞጎስ እርከብ፡ ኣበልኩምኒ ኽህብ እየ።
12. ገዝምን ሃይብን ኣዚኹም ኣብዚሕኩም ኣዝዙኒ። እታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሀቡኒ እምበር ከም ዝበልኩምኒ እህብ በሎም።
13. ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘነወራ ንሴኬም ነቦኡ ሓሞርን መሊሶም ብተንኮል ተዛረብዎም፡
14. በልዎም ድማ፡ ሓብትና ንዘይተገዝረ ሰብኣይ ክንህብ እዚ አአውረና እዩ እሞ፡ እዚ ነገርዚ ኽንገብር ኣይንኽእልን።
15. ተባዕታይ ዝበለ ኹሉ ብምግዛርኩም፡ ከማና እንተኾንኩም በዚ ጥራይ ሕራይ ንብለኩም።
16. ሽዑ ኣዋልድን ንህበኩም፡ ኣዋልድኩም ከኣ ንወስድ፡ ምሳኻትኩም ድማ ንነብር፡ ሓደ ህዝቢውን ንኸውን።
17. ክትግዘሩ እንተ ዘይሰማዕኩምና ግና ጓልና ሒዝና ንኸይድ።
18. ንሓሞርን ንሴኬም ወዲ ሓሞርን ከኣ እቲ ዘረብኦም ባህ ኣበሎም።
19. እቲ ጎበዝ ድማ ንጋል ያእቆብ ፈትይዋ ነበረ እሞ፡ ኢዚ ነግርዚ ንምግባር ኣይደንጎየን። ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዝለአው ኹሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ።
20. ሓሞርን ወዲ ሴኬምን ናብ ደገ ኸተማኦም ከይዶም፡ ንሰብ ኣታ ኸተማኣኦም ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም።
21. እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ሰብ ሰላም እዮም፡ እዛ ምድሪ ደኣ እንሃ፡ ንኣታቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱላን። ኣዋልዶም ንኣና ኣንስቲ ንወስድ፡ ኣዋልድና ድማ ንኣታቶም ንህቦም።
22. እዞ ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ኪቕመጡ፡ ምሳና ሓደ ህዝቢ ኪኾኑ ድማ በዚ ጥራይ ሕራይ የብሉና፡ ንሳቶም ግዙራት ከም ዝኾኑ፡ ኩሉ ተባዕታይና ኽግዘር።
23. ማሎምን ገንዘቦምን ኩሉ እንስስኦምንከ ነትናዶ ኣይኮናን፡ ሃንትስ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፡ ምሳና ኺነብሩ እዮም።
24. እቶም ብደገ ኸተማኡ ዝወጹ ኹላቶም ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ሰምዕዎም እሞ፡ ብደገ ኸተማኡ ዝወጸ ዘበለ ኹሉ ተባዕታይ ተገዝረ።
25. ኮነ ኽኣ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኪቕንዘው ኸለው፡ ክልተ ሰቂ ያእቆብ፡ ስምኦንን ሌውን ኣሕዋት ዲና፡ ሰሴፎም ወሲዶም ፡ ነታ ኸተማ ኸይሕሰበት ሓደጋ ወዲቖም፡ ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ ቐተሉ።
26. ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ብስህለት ሴፍ ቀቲሎም፡ ንዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወጹ።
27. ደቂ ያእቆብ ንሓብቶም ስለ ዘርከስዋ ናብቶም ቅቱላት መጺኦም ነታ ኸተማ ዘመትዋ።
28. ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኣእዱጎምን ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ መሮር ዝነበረን ድማ ወሰዱ።
29. ኩሉ ገንዘቦምን ኩሎም ሕጻውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹ ኣብ ቤት ንተረኽበ ኹሉ ድማ ዘመቱ።
30. ያእቆብ ከኣ ንስምኦንን ንሌውን፡ ኣብ መንጎ እዞም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ፡ ኣብ መንጎ ኸነኣናውያንን ፈረዛውያንን ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨኒቕኩምኒ። ኣነ ብቑጽሪ ሒደት እየ፡ ንሳቶም ከኣ ተኣኪቦም ይቐትሉኒ፡ ኣነን ቤተይን ድና ንጠፍእ በሎም።
31. ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኺግበር እዩ፡ በሉ።

  Genesis (34/50)