Genesis (32/50)  

1. ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደ፡ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓነፍሶ።
2. ያእቆብ ምስ ረኣዮም ድማ፡ እዚ ጭፍራ ኣምላኽ እዩ፡ በለ። ነታ ቦታ ኽኣ መሃናይም ኣውጽኣላ።
3. ያእቆብ ድማ ናብ ኤሳው ሓው፡ ናብ ሃገር ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።
4. ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም ንጐይታይ ኤሳው፡ ግልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በልዎ፡ ምስ ላባን ተቐሚጠ ነበርኩ፡ ክሳዕ ሕጂውን ደንጓኹ።
5. ኣብዑርን ኣእዱግን ጤለበጊዕን ገላውን ኣግራድን ኣለውኒ። ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ ንጐይታይ ኪነግር ለኣኽኩ።
6. እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም ናብ ሓውካ ኤሳው በጻሕና፡ ንሱን ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ኪቃባበለካ ይመጽእ ኣሎ። በልዎ።
7. ሽዑ ያእቆብ ኣዝዩ ፈርሄ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነብሩ ሰብን ጤለበጊዕን ኣሓን ኣግማልን ድማ ኣብ ክልተ ጋንታ መቐለ፡
8. ኤሳው ናብዚ ሓደ ጋንታ መጺኡ እንተ ወቕዖ፡ እቲ ዝተረፈ ጋንታ ይድሕን በለ።
9. ያእቆብ ድማ በለ፡ ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃም ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለሰ እሞ፡ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ዝበልካኒ፡
10. እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ኹሉ ለውሃትን ኩሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ፡ ሒጂ ግና ክልተ ጋንታ ኾይኑ አሎኹ።
11. መጺኡ፡ ነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒ ፡ እፈርሆ ኣሎኹ እሞ ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ፡ ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ።
12. ንስኻ ድማ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ንዘርእኻውን ካብ ብዙሕ እተላዕለ ኪቖጸር ዘይከኣል ከም ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ፡ ኢልካ ኣሎኻ።
13. በታ ለይቲ እቲኣ አብኡ ሓደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ኹሉ ድማ ኤሳው ሓው ገጽ በረኸት ወሰደ።
14. ክልተ ሚእቲ ጤልን ዕስራ ድቤላን፡ ክልተ ሚእቲ በጊዕን ዕስራ ድዑልን፡
15. ሰላሳ እተጥቡ ገበል መምስ ውላደን፡ ኣርብዓ ላምን ዓሰርተ ኣሓን፡ ዕስራ ኣድግን ዓሰርተ ዒሉን፡
16. እዚኣተን በብመጋርያኤን ከፋፊሉ ኣብ ኢድ ግዙኣቱ ሀቦም። ንግዙኣቱ ኸኣ፡ መጋርያ ኣረሓሒቖም ቀቅድመይ ሓለፉ በሎም።
17. ነቲ ቐዳማይ፡ ሓወይ ኤሳው ምስ ተጓነፈካ እሞ፡ ናይ መን ኢኻ ነበይከ ትኸይድ ኣሎኻ፡ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኻ ናይ መን እየን፡ ኢሉ እንተ ሓተተካ፡
18. ናይ ግልያኻ ያእቆብ ንጐይታይ ኤሳው ገጽ በረኸት ዝሰደደን እየን፡ ንሱ ድማ እንሆ፡ ብድሕሬና ኣሎ በሎ፡ ኢሉ አዘዞ።
19. ኸምኡ ኽኣ ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፡ ነቶም መጓሴታት ዘኽብክቡ ኹሎምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ንኤሳው ምስ ረኸብኩም ዎ፡ ከምዚ ዘረባዚ ተዛረብዎ፡
20. ግልያኻ ያእቆብ ድማ በዚ ቐቅድመይ ዚኸይድ ዘሎ ገጽ በረኸት ከዝሕሎ እየ። ድሕሪኡ ኸኣ ገጹ እርኢ ምናልባሽ ብጽቡቕ እንተ ተቐበለኒ ኢሉ፡ እንሆ ደድሕሬና ኣሎ፡ በሉ።
21. በዚ ኸምዚ እቲ ገጽ በረኸት ቀቅድሚኡ ሓለፈ። ንሱ ኽኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ።
22. በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ተንሲኡ ኻልቲኤን ኣንስቱን ክልቲኤን ግዙኡቱን ዓሰርተው ሓደ ደቁን ወሲዱ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ።
23. ወሲዱ ርባ ኣሳገረን፡ ዘለዎ ዘበለ ኽኣ ኣሳገረ።
24. ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ።
25. ንሱ ኽኣ ከም ዘይከኣሎ ምስ ረኣየ፡ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ኪቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኹልቲ ያእቆብ ተቖጸ።
26. እቲ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ በለ። ንሱ ኽኣ ኸይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ፡ በለ።
27. ሽዑ ንሱ እንታይ እዩ ስምካ በሎ። ያእቆብ በለ።
28. ንሱ ኽኣ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካስ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደኢም እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይበሀልን፡ በሎ።
29. ያእቆብ ድማ፡ በጃኻ ስምካ ንገረኒ፡ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኽኣ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሓትት፡ በለ። ኣብኡ ድማ ባረኾ።
30. ያእቆብ ከኣ፡ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና ኢያ፡ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጳኑኤል ኣውጽኣላ።
31. ንጳኑኤል ምስሓለፈ ጸሓይ በረቐቶ። ንሱ ግና ምሕኹልቱ ይሕንክስ ነበረ።
32. ንጅማት መፋላለዩ ምሕኹልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ምእንቲዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፋልለዩ ምሕኹልቲ ኣይበልዑን እዮም።

  Genesis (32/50)