| ← Genesis (32/50) → |
| 1. | ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደ፡ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓነፍሶ። |
| 2. | ያእቆብ ምስ ረኣዮም ድማ፡ እዚ ጭፍራ ኣምላኽ እዩ፡ በለ። ነታ ቦታ ኽኣ መሃናይም ኣውጽኣላ። |
| 3. | ያእቆብ ድማ ናብ ኤሳው ሓው፡ ናብ ሃገር ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ። |
| 4. | ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም ንጐይታይ ኤሳው፡ ግልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በልዎ፡ ምስ ላባን ተቐሚጠ ነበርኩ፡ ክሳዕ ሕጂውን ደንጓኹ። |
| 5. | ኣብዑርን ኣእዱግን ጤለበጊዕን ገላውን ኣግራድን ኣለውኒ። ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ ንጐይታይ ኪነግር ለኣኽኩ። |
| 6. | እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም ናብ ሓውካ ኤሳው በጻሕና፡ ንሱን ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ኪቃባበለካ ይመጽእ ኣሎ። በልዎ። |
| 7. | ሽዑ ያእቆብ ኣዝዩ ፈርሄ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነብሩ ሰብን ጤለበጊዕን ኣሓን ኣግማልን ድማ ኣብ ክልተ ጋንታ መቐለ፡ |
| 8. | ኤሳው ናብዚ ሓደ ጋንታ መጺኡ እንተ ወቕዖ፡ እቲ ዝተረፈ ጋንታ ይድሕን በለ። |
| 9. | ያእቆብ ድማ በለ፡ ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃም ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለሰ እሞ፡ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ዝበልካኒ፡ |
| 10. | እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ኹሉ ለውሃትን ኩሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ፡ ሒጂ ግና ክልተ ጋንታ ኾይኑ አሎኹ። |
| 11. | መጺኡ፡ ነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒ ፡ እፈርሆ ኣሎኹ እሞ ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ፡ ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ። |
| 12. | ንስኻ ድማ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ንዘርእኻውን ካብ ብዙሕ እተላዕለ ኪቖጸር ዘይከኣል ከም ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ፡ ኢልካ ኣሎኻ። |
| 13. | በታ ለይቲ እቲኣ አብኡ ሓደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ኹሉ ድማ ኤሳው ሓው ገጽ በረኸት ወሰደ። |
| 14. | ክልተ ሚእቲ ጤልን ዕስራ ድቤላን፡ ክልተ ሚእቲ በጊዕን ዕስራ ድዑልን፡ |
| 15. | ሰላሳ እተጥቡ ገበል መምስ ውላደን፡ ኣርብዓ ላምን ዓሰርተ ኣሓን፡ ዕስራ ኣድግን ዓሰርተ ዒሉን፡ |
| 16. | እዚኣተን በብመጋርያኤን ከፋፊሉ ኣብ ኢድ ግዙኣቱ ሀቦም። ንግዙኣቱ ኸኣ፡ መጋርያ ኣረሓሒቖም ቀቅድመይ ሓለፉ በሎም። |
| 17. | ነቲ ቐዳማይ፡ ሓወይ ኤሳው ምስ ተጓነፈካ እሞ፡ ናይ መን ኢኻ ነበይከ ትኸይድ ኣሎኻ፡ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኻ ናይ መን እየን፡ ኢሉ እንተ ሓተተካ፡ |
| 18. | ናይ ግልያኻ ያእቆብ ንጐይታይ ኤሳው ገጽ በረኸት ዝሰደደን እየን፡ ንሱ ድማ እንሆ፡ ብድሕሬና ኣሎ በሎ፡ ኢሉ አዘዞ። |
| 19. | ኸምኡ ኽኣ ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፡ ነቶም መጓሴታት ዘኽብክቡ ኹሎምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ንኤሳው ምስ ረኸብኩም ዎ፡ ከምዚ ዘረባዚ ተዛረብዎ፡ |
| 20. | ግልያኻ ያእቆብ ድማ በዚ ቐቅድመይ ዚኸይድ ዘሎ ገጽ በረኸት ከዝሕሎ እየ። ድሕሪኡ ኸኣ ገጹ እርኢ ምናልባሽ ብጽቡቕ እንተ ተቐበለኒ ኢሉ፡ እንሆ ደድሕሬና ኣሎ፡ በሉ። |
| 21. | በዚ ኸምዚ እቲ ገጽ በረኸት ቀቅድሚኡ ሓለፈ። ንሱ ኽኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ። |
| 22. | በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ተንሲኡ ኻልቲኤን ኣንስቱን ክልቲኤን ግዙኡቱን ዓሰርተው ሓደ ደቁን ወሲዱ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ። |
| 23. | ወሲዱ ርባ ኣሳገረን፡ ዘለዎ ዘበለ ኽኣ ኣሳገረ። |
| 24. | ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ። |
| 25. | ንሱ ኽኣ ከም ዘይከኣሎ ምስ ረኣየ፡ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ኪቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኹልቲ ያእቆብ ተቖጸ። |
| 26. | እቲ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ በለ። ንሱ ኽኣ ኸይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ፡ በለ። |
| 27. | ሽዑ ንሱ እንታይ እዩ ስምካ በሎ። ያእቆብ በለ። |
| 28. | ንሱ ኽኣ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካስ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደኢም እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይበሀልን፡ በሎ። |
| 29. | ያእቆብ ድማ፡ በጃኻ ስምካ ንገረኒ፡ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኽኣ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሓትት፡ በለ። ኣብኡ ድማ ባረኾ። |
| 30. | ያእቆብ ከኣ፡ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና ኢያ፡ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጳኑኤል ኣውጽኣላ። |
| 31. | ንጳኑኤል ምስሓለፈ ጸሓይ በረቐቶ። ንሱ ግና ምሕኹልቱ ይሕንክስ ነበረ። |
| 32. | ንጅማት መፋላለዩ ምሕኹልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ምእንቲዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፋልለዩ ምሕኹልቲ ኣይበልዑን እዮም። |
| ← Genesis (32/50) → |