Genesis (31/50)  

1. ደቂ ላባን ድማ፡ እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ኹሉ ያእቆብ ወሰዶ፡ ኩሉ እዚ ኽብረት እዚ ኽኣ ካብቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ንሱ ዝረኸቦ እዩ፡ ኢሎም ኪዛረቡ ሰምዔ።
2. ያእቆብ ድማ ገጽ ላባን ጠመተ፡ እንሆ፡ ከም ቀደሙ ምስኡ ኣይነበረን።
3. እግዚኣብሄር ከኣ ንያእቆብ ናብ ምድሪ ኣቦታትካ ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ በሎ።
4. ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ልያን ናብተን መጓሴኡ ናብ መሮር ጸውዔን፡
5. በለን ከኣ፡ ገጽ ኣቦኽን ከም ቀደሙ ምሳይ ከም ዘኮነ፡ ኣነ እርኢ አሎኹ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነበረ።
6. ነቦኽን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎ ኽኣ ባዕልኻትክን ትፈልጣ ኢኽን።
7. ኣቦኽን ደኣ ዓሰበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታለልኒ፡ እግዚኣብሄር ግና ክፉእ ኪገብረኒ ኣይፈቕደሉን።
8. ንሱ፡ ዓምቦሬታት ዘበላ ዓስብኻ ይኹና፡ ምስ በለኒ፡ ኩለን መጓሰ ዓብቦሬታት ወለዳ፡። ዓስብኻ ዑፌታት ይኹና፡ ምስ በለ ኽኣ፡ ለን መጓሴ ዑፌታት ወለዳ። ዓስብኻ ዑፌታት ይኹና፡ ምስ በለ ኽኣ፡ ኹለን መጓሰ ዑፌታት ወለዳ።
9. ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሀበኒ።
10. ኮነ ኽኣ፡ በቲ እተን መጓሰ ዝትለዋሉ ግዜ ዓይነይ ቋሕ እንተ ኣበልኩ ብሕልሚ ርኤኹ፡ ኣንሆ፡ ነተን ጤለበጊዕ ዚሰርወን ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ነበሩ።
11. መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ብሕልሚ፡ ያእቆብ በለኒ። ኣነ ኽኣ፡ እኔኹ፡ በልኩ።
12. ንሱውን፡ ዓይንኻ ቛሕ ኣብል እሞ እዞም ነዘን ጤለበጊዕ ዚሰርወን ዘለው ኹሎም ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ርኤ። እቲ ላባን ዝገበረካ ኹሉ ርእየዮ ኣሎኹ።
13. እቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝቐባእካሉን፡ ኣብኡ ድማ መብጽዓ እተማባጻዕካለይን ኣምላኽ ቤትኤል፡ ኣነ እየ። ሕጂ ተንስእ እሞ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ውጺእካ ናብታ እተወለድካላ ሃገር ተመለስ በለኒ።
14. ራሄልን ልያን ከኣ፡ ደጊሞዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ኣልዩና።
15. ሸይጡና እዩ እሞ፡ ከም ጓኖትዶ ቖጺሩና ኣይኮነን፡ ነቲ ገንዘብና ድማ በልዖ።
16. እቲ ኣምላኽ ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ኹሉ ሃብቲ ንሱ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኽኣ ኣምላኽ ዝብለካ ኹሉ ግበር ኢለን መለሳሉ።
17. ሽዑ ያእቆብ ተንሲኡ ደቁን ኣንስቱን ኣብ ኣግማል ኣወጥሔ።
18. ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ናብ ምድሪ ኸነኣን ኪኸይድ፡ ኩለን ማሉን ኩሉ ዘጥረዮ ገንዘቡን፡ እተን ኣብ ጳዳንኣራም ዘጥረይን ማሉ ወሰደ።
19. ላባን ከኣ ኣብጊዑ ኪቖጽር ከይዱ ነበረ፡ ራሄል ድማ ጣዕታት ኣቡኣ ሰረቐት።
20. ያእቆብ ድማ ከም ዚሃድም ንላባን፡ እቲ ሶርያዊ፡ ከይነገረ መሊቑ ኸደ።
21. ዘለዎ ኹሉ ሒዙ ኸኣ ሀደመ፡ ተንሲኡ ድማ ርባ ተሳጊረ ገጹ ኸኣ ናብ ከረን ጊልዓድ ኣቢሉ ኣቕንዔ።
22. ኣብ ሰልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ያእቆብ ከም ዝሀደመ ንላባን ነገርዎ።
23. ሽዑ ኣሕዋቱ ምስኡ ወሰደ፡ ደድሕሪኡ ድማ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ሰዐቦ። ኣብ ከረን ጊልዓድ ከኣኣ ኣርከቦ።
24. ኣምላኽ ግና ብሕልሚ ለይቲ ናብ ላባን እቲ ሶርያዊ መጺኡ፡ ንያእቆብ ጽቡቕ ኮነ ኽፋእ ከይትዛረብ ተጠንቐቕ በሎ።
25. ላባን ከኣ ንያእቆብ ኣርከቦ። ያእቆብ ከኣ ድንኳኑ ኣብ ከረን ተኺሉ ነበአረ፡ ላባን ምስ ኣሕዋቱ ድማ ድንኳኑ ተኺሉ ነብረላባን ምስ ኣሕዋቱ ድማ ድንኳኑ ኣብ ከረን ጊልዓድ ተኸለ።
26. ላባን ከኣ ንያእቆብ በሎ፡ ኣንታይ እዩ ዝገብርካዮ፡ ልበይ ጠቢርካዶ ነዋልደይ ብሴፍ ከም እተማረኻ ከብከብካየን።
27. ስለምንታይ ካባይ ተሰሪቕካ፡ ከይነገርካኒ ድማ ተሓቢእካ ዝሀደምካ፡ ብሓጎስን ብመዝሙርን ብኼበሮን በምሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ።
28. ነወዳተይ ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ኣይሓደግካንን። ሕጂ እዚ ብዕሽነት ኢኻ ዝገብርካዮ።
29. ክፋእ ክገብረኩም ኣብ ኢደይ ስልጣን ኣሎኒ። ኣምላኽ ኣቦኹም ግና ትማሊ ለይቲ፡ ንያእቆብ ጽቡቕ ኮነ ኽፉእ ከትዛረቦ ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
30. ሕጂ ኽኣ ቤት ኣቦኻ ኣዚኻ ኻብ ናፈቕካ ምኻድሲ ኸድካ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣማልኽተይ ሰረቕካ፡
31. ያእቆብ ድማ ንላባን ኣዋልድካ ብሓይሊ ኸይተግደፈኒ ኢለ ፈራሁኩ።
32. እቲ ኣማልኽትኻ እተረኽቦ ግና ንሱ ይሙት። ምሳይ ዘሎ ናትካ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትና ጎርጉርካ፡ ንኣኻ ውሰዶ፡ ኢሉ መለሰሉ። ያእቆብ፡ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ኣይፈለጠን ነበረ።
33. ላባን ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን ክልቲኤን ግዝኣትን ኣተወ፡ ግናኸ ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወጺኡ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ።
34. ራሄል ድማ ነቶም ጣኦታት ወሲዳ ኣብ ኮረሻ ገመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኦም ኮፍ በለት። ላባን ንብድንኳኑ ጎርጎሮ፡ ኣይረኸቦምን ከኣ።
35. ንሳ ኻኣ ነቦኣኣ፡ ጐይታይ፡ እቲ ናብ ኣንስቲ ዝኸውን መጺእኑኒ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሓፍ ክብል ኣይክእልን እየ፡ ኣይትኾርየለይ በለቶ። ንሱ ኽኣ ደለየ፡ ነቶም ጣኦታት ግና ኣይትረኸቦምን።
36. ሽዑ ያእቆብ ተናዲዱ ንላባን ተበኣሶ ያእቆብ ንላባን መሊሱ በሎ፡ እት ነዲርካ ደድሕረይ ዝገስገስካ፡ እንታይ እየ በደለይ፡ እንታይከ እዩ ሓጢኣተይ።
37. ሕጂ ንኹሉ ኣቕሖይ ጎርጎርካ፡ ካብ ኩሉ ኣቓሑ ቤትካ እንታይ ረኸብካ ኣብ መንጎ ክልቴና ኺፈርዱስ፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተይን ኣሕዋትካን ኣምጽኣዮ።
38. እዘን ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነይረ፡ ጤለበጊዕካ እየ ቖልዓን ድዓውል መጓሴኻ ድማ ኣይበላዕኩን።
39. ኣራዊት ዝሓዛ ኽኣ ኣብ ክንደኣ ባዕለይ ተካእኩልካ እምበር፡ ኣየምጻእኩልካን። መዓልቲ እተሰርቀትንን ለይቲ እተሰርቀተንን ድማ ካብ ኢደይ ትደልያ ነበርካ።
40. ከምዚ እየ ዝነበርኩ፡ ብመዓልቲ ሃሩር በለይቲውን ኣስሓይታ በልዓኒ፡ ድቃስ ከኣ ካብ ዓይነይ በረረ።
41. እዘን ዕስራ ዓመት ኣብ ቤትካ ነበርኩ። ዓሰረትው ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲኤን ኣዋልድካ ሹድሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕካ ተገዛእኩኻ፡ ዓስበይ ከኣኣ ዓሰረት ሳዕ ለዋወጥካ።
42. ኣምላኽ ኣቦይ፡ እቲ ይስሃቅ ዘፈርሆ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ምሳይ ኣንተ ዝይህሉስ፡ ብርግጽ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ድኻም ኢደይን ራዩ፡ ትማሊ ለይቲ ገንሓካ።
43. ላባን ድማ መሊሱ፡ ንያእቆብ በሎ፡ እዘን ኣዋልድ ኣዋልደይ እየን፡ ቆልዑውን ቁለውዔይ እዮም፡ እዘን መጓሰራር ከኣ መጓሴታተይ እየን፡ እዚ እትርእዮ ዘሎኻ ኹሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ኸኣ ነዘን ኣዋልደይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ እማ ኽገብር።
44. ሕጂ ዳማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ኪኸውንሲ፡ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ።
45. ያቆብ ከኣኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኸኸውን ተኸሎ።
46. ያእቆብ ስማ ነሕዋቱ፡ ኣእማን ኣክቡ፡ በሎም። ንሳቶምውን ኣእማን ኣኪቦም ጨርሒ ጨርሑ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ።
47. ላባን ድማ ይጋርሰሃዱታ ኣውጽኣሉ፡ ያእቆብ ከኣ ጋልዔድ ኣውጽኣሉ።
48. ላባን ድማ፡ ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን፡ በለ። ስለዚ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ።
49. ንሓድሕድና ኻብ ዘይንርኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፋቒ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ሚጽጳ ድማ ተባህለ።
50. ነዘ ኣዋልደይ እንተ ገፋዕካየን ወይ ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቶኻ፡ ምሳይ ሰብ የልቦን፡ ራኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ።
51. ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎ፡ እንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጓኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ ድማ።
52. ኣነ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሓልፈካ፡ ንስኻውን ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ጨርሒ እዚ ምስክር ይኹን፡ እዚ ሓወልቲ እዚውን ምስክር ይኹን።
53. ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ። ያእቆብ ድማ በቲ ፍርሃት ኣቡኡ ይስሃቅ መሐለ።
54. ያእቆብ ኣብቲ ኸረን መስዋእቲ ጸውዖም። እንጌራ በሊዖም ድማ ኣብቲ ኸረን ሓደሩ።
55. ላባን ከኣ ንጽባሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነወዳቱን ኣዋልዱን ድማ ስዒሙ መረቖም። ላባን ከኣኣ ከይዱ ናብ ቦትኡ ተመልሰ።

  Genesis (31/50)