Genesis (30/50)  

1. ራሄል ድማ ንያእቆብ ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረኣኣየት፡ ንሓብታ ቐንኣትላ፡ ንያቅብ ከኣ ውሉድ ሀበኒ እንተ ዘይኮነስ እመውት አሎኹ በለቶ።
2. ሽዑ ኹራ ያእቆብ ኣብ ራሄል ነዲዱ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ፡ በላ።
3. ንሳ ኽኣ፡ እንሃ ቢልሃ ግዝእተይ፡ ንሳ ኣብ ብርከይ ክትወልድ፡ ብእኣ ድማ ኣነ ኽፋረ፡ ናብኣ እቶ በለት።
4. ንቢልሃ ግዝእታ ኸኣ ሰብይቱ ኽትከውን ሀበቶ። ያእቆብ ድማ ኣተዋ።
5. ቢልሃ ጠነሰ፡ ንያቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ።
6. ሽዑ ራሄል ኣምላኽ ፍትሒ ኣውጺኡለይ፡ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ዳን ኣውጽኣትሉ።
7. ሂልሃ ግዝእቲ ራሄል ከኣ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ።
8. ሽዑ ራሄል፡ ቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሓየልኩ፡ በለት። ስሙ ኽኣ ንፍታሌም ኣውጽኣትሉ።
9. ልያ ኽኣ ካብ ምላድ ከም ዘቛረጸት ምስ ረኣየት፡ ዚልጳ ግዝእታ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትከውን ሀብቶ።
10. ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለትድሉ።
11. ሽዑ ልያ ኣሰይ፡ ኢላ ስሙ ጋድ ኣውጽኣትሉ።
12. ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ድማ ወለደተሉ።
13. ልያ ኸኣ፡ ርሕስቲ ኮይነ እየ እሞ ኣዋልድ ብራሕሰይ ይውድሳኒ፡ በለት። ስሙ ድማ ኣሴር ኣውጽኣትሉ።
14. ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዐጽደሉ ወርሓት ኣብ መሮር ምልዖ ረኸበ፡ ናብ ኣዲኡ ልያ ኣምጽኦ። ሽዑ ራሄል ንልያ፡ ካብዚ ምልዖ ወድኺ ኾታ ሀብኒ በለታ፡
15. ንሳ ኽኣ፡ ሰብኣየይ ዝወሰድክለይ ንእሽቶ ነገር እዩ፡ ምልዖ ወደይ እንዶ ድማ ክትወስዲ በለታ። ራሄል ከኣ እሞ ኣብ ክንዲ ምልዖ ወድኺ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ በለታ።
16. ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ክኣቱ ኸሎ ድማ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ብምልዖ ወደይ ዐዲገካ እየ እሞ፡ ናባይ ኢኻ እትኣቱ በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሓምሳይ ወዲ ወለደትሉ።
17. ልያ ድማ፡ ግዝእተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሀብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሃበኒ፡ በለት። ስሙ ኽኣ ይሳኮር ኣውጽኣትሉ።
18. ልያ ድማ፡ ግዝእተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሀብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሃበኒ፡ በለት። ስሙ ኽኣ ይሳኮር ኣውጽኣትሉ።
19. ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣኣ ሳድሳይ ወዲ ወለደትሉ።
20. ልያ ድማ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒ፡ ሕጂ ሽዱሽተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ክነብር እዩ በለት። ስሙ ኽኣ ዛብሎን ኣውጽኣትሉ።
21. ድሕርዚ ድማ ጓል ውለደት፡ ስማ ድማ ዲና ኣውጽኣትላ።
22. ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ።
23. ንሳ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሓቐ፡ ከኣ በለት።
24. እግዚኣብሄር ካልኣ ወዲ ድማ ይወስኸኒ፡ ኢላ ስሙ ዮሴ ኣውጽኣትሉ።
25. ኮነ ኽኣ፡ ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፡ ንያእቆብ ንላባን፡ ናብ ቦታይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሳናብተኒ።
26. እተን ብዛዕባኤን እተገዛእኩኻ ኣንስተይን ደቀይን ሀበኒ። እቲ እተገዛእኩኻ መግዛእቲ ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡ እኺድ ሕደገኒ፡ በሎ።
27. ላባን ድማ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ረኺበስ፡ እግዚኣኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ አሎኹ፡ በሎ።
28. ዕስብኻ ቑረጸለይ ኣሞ ክህበካ፡ ድማ በለ።
29. ንሱ ኽኣ፡ ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከብትኻውን ምሳይ ከምይ ከም ዝኾናን ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ።
30. ኣነ ኸይመጻእኩ ሒደት ነበራኻ፡ ሕጂ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ኹሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ኣዝየን በዝሓ። ሕጂ ኽኣ ንቤተይ ደኣ ምኣዝ ክምህዝ እየ በሎ።
31. ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽክበካ እየ በሎ። ያእቆብ ከኣ፡ ገለኳ ኣይትሀበኒ። እዚ ነገርዚ እንተ ትገብረለይ መሊሰ ነባጊዕካ እጓስየን እከናኸነንውን።
32. ሎሚ ብኹለን መጓሴኻ ኽሓልፍ እየ፡ ካብኡ ኽኣ ኩለን ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ኩለን ጸለምትን ኣባጊዕ፡ ካብ ኣጣል ድማ ቡረቴታትን ጸነኒትን ዘበላ ኽፈሊ እየ እሞ ዓስበይ ይኹና።
33. ድሕሪ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ምስ እትመጽእ፡ ሽዑ ቕንዕናይ ኣብ ቅድሜኻ ኽምስክረልይ እዩ። ጸነጺትን ቡረቴታትን ዘኮና ኣጣል፡ ጸለምቲ ዘይኮና ኣባጊዕ ከኣ ኣባይ እንተ ተረኽባ፡ ስሩቓት እየን በለ።
34. ላባን ከኣ ሕራይ ከምቲ ዘረባኻ ይኹን በለ።
35. በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቡረቴታትን ጸነጺትን ኣጣል፡ ገለ ጻዕዳ ዘለወን ኩለን፡ ካብ ኣባጊዕ ድማ ኩለን ጸለምቲ ፈልዩ። ኣብ ኢድ ደቑ ሀቦም።
36. ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን ከኣ መገዲ ሰልሰተ መዓልቲ ኣርሓሐቐ። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባን ይጓሲ ነበረ።
37. ያእቆብ ከኣ ክርዋሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዝብሀል ኣእዋም ጥሉል ኣባትር ወሲዱ፡ ኣብኡ ቕላጥ ቀሊጡ ነቲ ኣባትር ዕትሮርባይ ገበሮ።
38. ነቲ ዕሮርባይ ዝገብሮ ኣባትር ድማ ኣብቲ እተን መጓሴታት መጺኤን ዚሰትያሉ ዛራ ማይ ዘሎ ጋብላታት፡ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገብሮ እሞ፡ ኪስትያ ምስ መጻ ይትለዋ ነበራ።
39. እተን መጋሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ተተልዋ እሞ እተን መጓሴታት ዑፌታትን ጸነጺትን ዓምባሬታትን ወለዳ።
40. ሽዑ ያእቆብ ነተትን ዕያውቲ ፈልቱ፡ ገጽ እተን መጓሰ ናብተን ዑፌታትን ኩለን ጸለምትን ኣብ መጓሰ ላባን ገብረ፡ ንመጓሴኡ ኸኣ ምስ መጓሰ ላባን ኣይሕወሰንን፡ ንበይነን ደኣ ገበረን።
41. ኮነ ድማ፡ በቲ እተን ድዓኛታት ኣባጊዕ ዚትለዋሉ ዘበን ጊዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኺትለዋስ፡ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብቲ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ድኹማት ከለዋ ግና ኣየንብሮን ነብረ። በዚ ኸምዚ ኽኣ እተን ድኹማት ንልባን፡ እተን ድዓኛታት ከኣ ንያእቆብ ኮና።
42. እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ ኣዝዩ ሀብተመ። ብብዙሓት መጓሴታት ገላውን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ።
43. እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ ኣዝዩ ሀብተመ። ብብዙሓት መጓሴታት ገላውን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ።

  Genesis (30/50)