Genesis (29/50)  

1. ያእቆብ ድማ ንመገሻኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ደቂ ምብራቕ ከደ።
2. ጠመተ እሞ እንሆ ኸኣ፡ ዔላ ኣብ መሮር ነበረ፡ ኣብቲ ዔላ ድማ መጓሴታት የስትዩ ነበሩ እሞ፡ እንሆ ኣብኡ ሰለስተ መጋሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዔላ ዝነብረ እምኒ ኽኣ ዓብዩ ነብረ።
3. ንኹለን መጓሴታት ድማ ናኡ ይእክብወን ነብሩ። ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገምጢሎም ከኣ፡ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ፡ ነቲ እምኒ ድማ ናብ ኣፍ እቲ ዔላ ኣብ ቦትኡ ይመልስዎ ነበሩ።
4. ያእቆብ ከኣ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ካበይ ኢኹም፡ በሎ። ካብ ካራን ኢና፡ በልዎ።
5. ንሱ ድማ፡ ንላባን ወዲ ናሆርዶ ትፈልጥዎ ኢኹም፡ በሎም። እወ ንፈልጦ፡ በሉ፡
6. ደሓንዶ ኣሎ፡ ከኣኣ በሎም። ደሓን ኣሎ፡ ራሄል ጓሉ እኳ እንሃ፡ ምስተን ኣባጊዕ ትመጽእ ኣላ፡ በሉ።
7. ንሱ ኽኣ እንሆ፡ መዓልቲ ገና ነዋሕ ኣላ፡ ከብቲ ዚእከባላጊዜ ኣይኮነትን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኬድኩም ኣብልዕወን፡ በሎም።
8. ንሳቶም ድማ፡ ንኩለን መጓሴታት ከይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኽኣ ካብ ኣፍ እቲ ዔላ ኸይገለበጥዎ፡ ኣይንኽእልን፡ ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን፡ በሉ።
9. ራሄል ባዕላ ትጓሲ ነብረት እሞ፡ ንሱ ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እንሃ፡ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት።
10. ኮነ ኽኣ፡ ያእቆብ ንራሄል ጓል ላባን ኣኩኡን ነባጊዕ ኣኩኡ ላባንን ምስ ረኣየ፡ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገልበጦ ነባጊዕ ኣክኡ ላባን ድማ ኣስተየን።
11. ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዐማ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉውን በኸየ።
12. ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ ኣቡኣ፡ ወዲ ርብቃ፡ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጎይያ ነቦኣ ነገረቶ።
13. ኮነ ኸኣ፡ ላባን ወረ ያእቆብ ወዲ ሓብቱ ምስ ሰምዔ፡ ኪቕበሎ ጎየየ ሓቑፉ ሰዐሞ፡ ናብ ቤቱ ድማ ኣእተዎ። እዚ ነግረዚ ኹሉውን ንላባን ነገሮ።
14. ላባን ከኣ ብሓቂ ንስኻ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ፡ በሎ። ወርሒ ዚኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ።
15. ላባን ድማ ንያእቆብ፡ ሃወይ ክንዲ ዝኾንካዶ ብኸምኡ ኽትግዛኣኒ፡ ዓስብኻ ደኣ እንታይ ምዃኑ ንገረኒ በሎ።
16. ላባን ከኣ ኽልተ ኣዋልድ ነበርኦ፡ ስም እታ ዓባይ ልያ፡ ስም እታ ንእስቶ ኽኣ ራሄል ነበረ።
17. ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፡ ራሄል ግና መልክዔኛ ትርኢታውን ውቅብቲ ነበረት።
18. ያእቆብ ድማ ንራሄል ፈተዋ እሞ፡ ምእንቲ ራሄል እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሾብዓተ ዓመት እግዛኣካ በለ።
19. ላባን ከኣ፡ ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፡ ምሳይ ተቐመጥ፡ በሎ።
20. ያእቆብ ከኣ ምእንቲ ራሄል ሾብዓተ ዓመት ተገዝኤ፡ ንእኣ ብምፍታው ከኣ ከም ሒደት መዓልቲ ኾይነን ተራእያኦ።
21. ያእቆብ ከኣ ላባን መዕልታተትይ በጺሔን እየን፡ እሞ ከእትዋ ሰበይተይ ሀበኒ በሎ።
22. ሽዑ ላባን፡ ንኹሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ምሳሕ ገብረ።
23. ምሸት ምስ ኮነ ድማ ልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣእተዋ፡ ንሱ ኽኣ ናብኣ ኣተወ።
24. ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኮና፡ ዚልጳ ግዝእቱ ሀባ።
25. ኮነ ድማ ንጽብሒቱ እንሃ ንሳ ልያ ነበረት። ንላባን ከኣ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፡ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኮንኩን ኣተገዛእኩኻ ስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒ በሎ።
26. ላባን ድማ፡ ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በኹሪ ምሃብር፡ ከምኡ ኣይግበርን እቱ።
27. ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዛእ መግዛእቲ፡ እቲኣ ድማ ንህበካ በለ።
28. ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገብረ፡ ናይ እዚኣ ሰሙን መልኤ። ደሕር ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሀቦ።
29. ላባን ድማ ንራሄል ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኮና ቢልሃ ግዝእቱ ሀባ።
30. ናብ ራሄል ድማ ኣተወ፡ ንራሄል ከኣ ሓለፋ ልያ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ካልእ ሾብዓተ ዓመት ምስኡ ተገዝኤ።
31. እግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልኤት ርእዩ፡ ማሕጸና ኸፈተላ። ራሄል ግና መኻን ነበረት።
32. ልያ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት። እግዚኣብሄር መከራይ ርእዩ እሞ፡ ሕጅስ ሰብኣየይ ኪፈትወኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሮቤል ኣውጽኣትሉ።
33. መሊሳ ኽኣ ጠነሰት ወዲ ወን ወለደት፡ እዝጋኢብሄር ከም እተጸላእኩ ሰሚዑ እዮ እሞ፡ እዚ ድማ ሀበኒ ኢላ ስሙ ስምኦን ኣውጽኣትሉ።
34. መሊሳ ኽኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ሰለስተ ወደ ወሊደሉ እየ እሞ ሕጂስ ሰብኣየይ ኣባይ ኪለግን እዩ በለት። ስለዚ ስሙ ሌዊ ተባህለ።
35. መሊሳ ኽኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ሕጂ ንእግዚኣብሄር ኤመስግኖ በለት። ስለዚ ስሙ ይሁዳ ኣውጽኣትሉ። ካብ ምላድ ከኣ ኣቛረጸት።

  Genesis (29/50)